ኮሚሽን ተፋሰስ ናይል ኣብ ሓበራዊ ኣጠቓቕማ ሃፍቲታት ማይ ተቐባልነት ዘለዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንምፍጣር ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ

 

አዲስ አበባ/ ሓምለ/ 23/ 2016 /ኢዜአ/ኮሚሽን ተፋሰስ ናይል ኣብ ሓበራዊ ኣጠቓቕማ ሃፍቲታት ተፋሰስ ማይ ናይል ተቐባልነት ዘለዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንምፍጣር ዘኽእል ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ገሊፁ።

ማዕቐፍ ስምምዕነት ምትሕብባር ናይል ኢትዮጵያ፣ ሩዋንዳ፣ ታንዛንያ፣ ዩጋንዳን ብሩንዲን ነቲ ስምምዕነት ኣቐዲመን ኣብ ናይ ሃገረን ቤት ምኽሪ ሕጊ ዘፅደቓ ኢየን።

ደቡብ ስዳን መበል ሻድሸይቲ ሃገር ኮይነ  ነቲ ስምምዕነት ምፅዳቓ ነቲ ስምምዕነት ናብ ሕጋዊ ተፈፃምነት ምዕራፍ ንክሸጋገር ዓዲምዎ እዩ።

እቲ ስምምዕነት ዘፈፅምን ሃገራት ናይ ናይል ማይ ተፋሰስንሓለዋ ሃፍቲ ማይ፣ ምምሕዳርን ልምዓትን ብምትሕብባር ዝሰርሓሉ ኩነታት ዘጠዓዕም ናይ ናይል ተፋሰስ ኮሚሽን ንከጣይሽ ኣብቲ ሰነድ ተገሊፁ ኢዩ።

ነቲ ማዕቐፍ ካብ መንጎ ዝፈረማ ሸውዓተ ሃገራት ሲሶ ዝኾና ወይ ሽዱሽተ ሃገራት ነቲ ስምምዕነት ብፓርላማ ዘፅደቓ እንትኾና፥ ዘፅደቓሉ ሰነድ ንሕብረት ኣፍሪካ እንተእትዋ እቲ ኮሚሽን ምጥያሽ ይኽእላ ኢየን

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም