ኣብቲ በጀት ዓመት ን345 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ወፃኢ ሃገር ተፈጢሩ እዩ-ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን

 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 23/2016 (ኢዜኣ) ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 345 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ወፃኢ ሃገር ከምዝተፈጠረ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበረ ሪፎርም ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ንዜጋታት ዘተኣማምንን ዘላቕን ከምኡ እውን ድሕንነቶም፣መሰሎምን ጥቕሞምን ተሓልዩ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዕድል ስራሕ ንክረኽቡ ሓጊዙ እዩ።

ኣብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን መተሓባበሪ ፕሮጀክት ስርዓት ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ኢትዮጵያ ብርሃኑ ኣለቃ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ዜጋታት ኣብ ናይ ወፃኢ ሃገር ወፍሪ ስርሖም ድሕንነቶም፣ጥቕሞምን መሰሎምን ተሓልዩ ንክሰርሑ እናተገበረ እዩ።

እቲ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ብሕጋዊ መንገዲ ምዃኑን ምስ መባፅሕቲ ሃገራት ዘለዎ ስምምዕን ቁፅሪ ናብ ወፃኢ ሃገር ንስራሕ ዝኸዱ ዜጋታት ብዕፅፊ ከምዝወሰኸ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እውን ኣብ በጀት ዓመት 2016 ጥራሕ 345 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ወፃኢ ሃገር ከምዝተፈጠረ ተዛሪቦም።

እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ልዑል ቁፅሪ ሰብ ዝኸደሎም ከባብታት ብመፅናዕቲ ብምፍላይ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ባዕሎም ምስ ዝሰርሕዎ ስራሕ ንክለማመዱ ስልጠና እናሃበ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም