መበል 10ይ ጉባኤ መናእሰይ ብሪክስ ኣብ መንጎ መናእሰይ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዘሎ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንምጥንኻር ዕድል ፈጢሩ እዩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /23/2016 (ኢዜኣ) መበል 10 ጉባኤ መናእሰይ ብሪክስ ኣብ መንጎ መናእሰይ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዘሎ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንምጥንኻር ዕድል ዝፈጠረ ከምዝነበረ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ ፋዓድ ገና ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ቅድሚ መዓልትታት ኣብ ሩሲያ ኣብ ዝተኻየደ መበል 10 ጉባኤ መናእሰይ ብሪክስ ተሳቲፉ እዩ።

ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ ፋዓድ ገና ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ዝነበራ ተሳትፎ ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ ኩለን ሃገራት ኣባል ብሪክስ ዝተወከሉ ኣመራርሓ መናእሰይን ሚኒስትራትን ከምዝተሳተፉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ እውን ናብ ሕብረት ብሪክስ ምፅምባራ ስዒቡ ኣብቲ ጉባኤ ንፈለማ እዋን ከምዝተሳተፈት ተዛሪቦም።

እቲ ጉባኤ ኣብ ጉዳያት ትምህርትን ስልጠናን፣ሳይንስ፣ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን፣ ጥዕና፣ ስፖርትን ኪነ ጥበብን ጠመተ ገይሩ ከምዝዘተየ እውን ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እውን እቲ ጉባኤ ኣብ መንጎ መናእሰይ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዘሎ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንምጥንኻር ዕድል ዝፈጠረ ከምዝነበረ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም