መበል 10ይ ጉባኤ መናእሰይ ብሪክስ ኣብ መንጎ መናእሰይ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዘሎ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንምጥንኻር ዕድል ፈጢሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 10ይ ጉባኤ መናእሰይ ብሪክስ ኣብ መንጎ መናእሰይ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዘሎ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንምጥንኻር ዕድል ፈጢሩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /23/2016 (ኢዜኣ) መበል 10ይ ጉባኤ መናእሰይ ብሪክስ ኣብ መንጎ መናእሰይ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዘሎ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንምጥንኻር ዕድል ዝፈጠረ ከምዝነበረ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ብፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ ፋዓድ ገና ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ቅድሚ መዓልትታት ኣብ ሩሲያ ኣብ ዝተኻየደ መበል 10ይ ጉባኤ መናእሰይ ብሪክስ ተሳቲፉ እዩ።
ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ ፋዓድ ገና ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ዝነበራ ተሳትፎ ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ ኩለን ሃገራት ኣባል ብሪክስ ዝተወከሉ ኣመራርሓ መናእሰይን ሚኒስትራትን ከምዝተሳተፉ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ እውን ናብ ሕብረት ብሪክስ ምፅምባራ ስዒቡ ኣብቲ ጉባኤ ንፈለማ እዋን ከምዝተሳተፈት ተዛሪቦም።
እቲ ጉባኤ ኣብ ጉዳያት ትምህርትን ስልጠናን፣ሳይንስ፣ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን፣ ጥዕና፣ ስፖርትን ኪነ ጥበብን ጠመተ ገይሩ ከምዝዘተየ እውን ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን እቲ ጉባኤ ኣብ መንጎ መናእሰይ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዘሎ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንምጥንኻር ዕድል ዝፈጠረ ከምዝነበረ ኣረዲኦም።