ልኡኽ ካልኣይ ዙርያ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፓሪስ ኣትዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ልኡኽ ካልኣይ ዙርያ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፓሪስ ኣትዩ
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/23/ 2016 /ኢዜአ/ በዝተፈላለዩ ውድድራት ርሕቐት ወርቂ ከምፅኡ ይኽእሉ ኢዮም ብዝብል ትፅቢት ዝግበረሎም ኣትሌታት ዘካተተ ካልኣይ ዙርያ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፓሪስ ኣትዩ።
ትማሊ ምሸት ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተበገሱ እቲ ልኡኸት አትሌቲክስ ፥ ብ5 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ በዓልቲ ዋና ዓለም ለኸ ክብረ ወሰን ዓለም ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓዊሱ ዮሚፍ ቀጀልቻ፣ ሓጎስ ገ/ሕይወት፣ ሰለሞን ባረጋን ፅጌ ዱጉማን ይርከብዎ።
እቶም ኣባላት ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ እንትበፅሑ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ማህሌት ሃይሉ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ኣሸብር ወ/ጊዮርጊስ (ዶ/ር)ን ካልኦትን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።