ልኡኽ ካልኣይ ዙርያ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፓሪስ ኣትዩ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/23/ 2016 /ኢዜአ/ በዝተፈላለዩ ውድድራት ርሕቐት ወርቂ ከምፅኡ ይኽእሉ ኢዮም ብዝብል ትፅቢት ዝግበረሎም ኣትሌታት ዘካተተ ካልኣይ ዙርያ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፓሪስ ኣትዩ።

ትማሊ ምሸት ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተበገሱ እቲ ልኡኸት አትሌቲክስ ፥ 5 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ በዓልቲ ዋና ዓለም ለኸ ክብረ ወሰን ዓለም ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓዊሱ ዮሚፍ ቀጀልቻ፣ ሓጎስ /ሕይወት፣ ሰለሞን ባረጋን ፅጌ ዱጉማን ይርከብዎ።

እቶም ኣባላት ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ እንትበፅሑ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ማህሌት ሃይሉ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ኣሸብር /ጊዮርጊስ (/) ካልኦትን  ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም