ንገደብ ሸርፊ ወፃኢ ብዝምልከት ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝተውሃበ መግለፂ


 

አዲስ አበባ/ሓምለ/24/2016/ኢዜአ/ ብነዳዲ ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ናይ ገዛ ኣውቶሞቢልን በዓል ሰለስተ እግሪን ተሽከርከርቲ ዝወፅአ እገዳ ከምዘሎ ኾይኑ ኣብ ዝተረፉ ኣቑሑት ዝወፅአ ውሳነ ገደብ ሸርፊ ወፃኢ ምስ መመሓየሺኡ ከምዝተልዓለ ተገሊፁ።

መንግስቲ ብቑፅሪ ክሂገ 1/7/252 ብዕለት 04/02/2015 . ኣብ ዝተመሓላለፈ ውሳነን ብቑፅሪ ታፖመ//29716 ብዕለት 28/06/2016 . በቲ ዝተመሓየሸ ኣብ ዝተወሰኑ ኣቑሑት ገደብ ሸርፊ ወፃኢ ባንኪ ንኽወፅእ ምግባሩ ዝፍለጥ 'ዩ።

ስለዝኾነ 'ውን ምሉእ ብምሉእ ብነዳዲ ዝሰርሑ ብታሪፍ መፅሓፍ ዓንቀፅ 87.03 ዝምደቡ ምሉእ ብምሉእ ተገጣጢሞም ኣብ ዝቐረቡ ናይ ገዛ ኣውቶሞቢልን በዓል ሰለስተ እግሪን ተሽከርከርቲ ዝወፅአ እገዳ ከምዘሎ ኾይኑ ኣብቶም ዝተረፉ ናውቲ ዝወፅአ ውሳነ ገደብ ሸርፊ ወፃኢ ምስ መመሓየሺኡ ካብ 21 ሓምለ 2016 . ጀሚሩ ከምዝተልዓለ ሚኒስቴር ገንዘብ አፍሊጡ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም