ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማ መቐለ ብ 2 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ወፃኢ ዝህነፁ ዘለዉ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ተመልኪቶም


 

መቐለ/ሓምለ /24/2016 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማ መቐለ 2 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ወፃኢ ዝህነፁ ዘለዉን ህዝቢ ተረባሒ ዝገብሩን ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓትተመልኪቶም ኣለው።

እቲ ዑደት ህንፀቶም ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ዝበቕዑን ኣብ ከይዲ ህንፀት ንዘለዉን ፕሮጀክትታት ዝሓቖፈ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብቶም ዝተጎብነዩ መሰረተ ልምዓታት ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ ዝርከቡ 25 ቀበሌታት ዘተኣሳስር ህንፀት መንገዲ ፀፀር እቲ ሓደ ከምዝኾነ ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ገሊፆም።

ኣብቲ በጀት ዓመት ዝተሰርሑ ድልድላት ተሽከርከርትን መሻገሪ ሰብን እውን ኣካል እቲ ዑደት ከምዝኾኑ ኣይተ ኤልያስ ሓቢሮም።

ከይዲ ህንፀት ፅገናን ምስፍሕፋሕን ልዕሊ 60 ዓመት ዘቑፀረ ሆስፒታል መቐለ ሓዊሱ 10 ሼዳት መፍረዪ ሕምባሻታትን ካልኦት ትካላት ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣካል እቲ ዑደት ከምዘነበሩ ተገሊፁ።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም