ጠንቂ ሕማም ኮሌራ እንታይ እዩ፣ ብኸመይ ክንከላኸሎ ንኽእል?


 

ኮሌራ ብባክተርያ ዝመጽእ ረኽሲ ኮይኑ፡ ከቢድ ተምላስን ድርቀትን ዘስዕብ እዩ። ብቐሊሉ ዝፍወስ ሕማም እንተኾነ እንተዘይተሓኪሙ ግን ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ቀታሊ ክኸውን ይኽእል።

ውድብ ጥዕና ዓለም ሕማም ኮሌራ ካብ ድኽነት ዝነቅል ከምዝኾነ ዝገለጸ ኮይኑ ብፍላይ ውሑስ ማይን መሰረታዊ ጽሬትን እኹል ተበጻሕነት ንዘይብሎም ሰባት የጥቅዕ።

ብኣብዝሓ ድማ ኣብ ገለ ክፋል ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ሃይቲን የጥቅዕ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ 1.3 ክሳብ ኣርባዕተ ሚልዮን ብሕማም ኮሌራ ከምዝተለኽፉን፡ ኣብ መላእ ዓለም ድማ ካብ 21 ሽሕ ክሳብ 143 ሽሕ ብሰንኪ እዚ ሕማም ከምዝሞቱን ይግምት።

ጠንቂ ሕማም ኮሌራ እንታይ እዩ?

ረኽሲ ሕማም ኮሌራ ቪብርዮ ኮሌራዝበሃል ባክተርያ ዝመጽእ እዩ።

እዚ ድማ ኣብ ቀጢን መዓንጣ መርዛማት ነገራት ብምፍራይ ኣካላትና ኣዝዩ ብዙሕ ማይ ከም ዝፍንው ይገብር፣ እዚ ድማ ናብ ተምላስን ኣብ ከቢድ ኩነታት ድማ ብቕልጡፍ ፈሳስን ጨውን ከም ዝስእን ይገብር።

መብዛሕትኡ ግዜ ምልክታት ድሕሪ ምልካፍ ካብ 12 ሰዓታት ክሳብ ሓሙሽተ መዓልታት ይጅምር። ውድብ ጥዕና ዓለም ግና ልዕሊ 80 ምኢታዊት ካብቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ምልክታት ከምዘየርእዩ ይገልጽ።

ውሑዳት ካብቶም ምልክታት ዘርእዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 20–30 ምኢታዊት፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ማይ ዝመስል ተምላስ ምስ ከቢድ ምውሓድ ማይ የጋጥሞም። እዚ ድማ እንተዘይተሓኪሙ ናብ ሞት ከብጽሕ ይኽእል።

ምልክታት እቲ ሕማም እንታይ እዮም?

ምልክታት ረኽሲ ሕማም ኮሌራ

  • ተምላስ ማይ ዝመስልን መብዛሕትኡ ግዜ ፍሕሽው ጸባ ዝመስል መልክዕ ዘለዎን።
  • ስምዒት ወይ ሕማም (ተምላስ ንሰዓታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ ብፍላይ ድማ ኣብ መጀመርታ ደረጃታት ልሙድ እዩ)
  • ቃንዛ ከብዲ
  • ምጭብባጥ እግሪ
  • ምውሓድ ማይ ድሕሪ ምጅማሩ ምልክታት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ክምዕብል ይኽእልን ካብ ቅልል ዝበለ ክሳብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል።
  •  ምልክታት ምውሓድ ማይ፡ ቁጥዐ፡ ድኻም፡ ምጥሓል ኣዒንቲ፡ ደረቕ ኣፍ፡ ልዑል ጽምኢ፡ ናብ ዓጻፊ ምስ ዝቕንጠጥ ንድሕሪት ዝምለስ ደረቕን ዝሽርሸርን ቆርበት፡ ውሑድ ወይ ውን ሽንቲ ዘይብሉ፡ ትሑት ጸቕጢ ደምን ዘይስሩዕ ህርመት ልብን ይርከብዎም።

ሕማም ኮሌራ ብኸመይ ይላባዕ?

ሕማም ኮሌራ ዝመሓላለፍ ሰብ ብባክተርያ ቪብሪዮ ኮሌራ ዝተበከለ ማይ ምስ ዝሰቲ ወይ ከዓ መግቢ ምስ ዝበልዕ እዩ። ምልክታት ዘየርእዩ ሕሙማት ንኻልኦት ናይ ምልካፍ ሓደጋ ኣለዎም።

ምልክታት ዘይብሎም ሕሙማት ነቲ ባክተርያ ኣብ ከባቢኦም ናይ ምብካል ተኽእሎኦም ልዑል እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ሰባት: ሰገራ ወይ ተምላስ ናይ ሓደ ሕማም ኮሌራ ዘለዎ ሰብ፡ ከምኡውን ምስ ብሽንቲ ወይ ተምላስ ዝተበከሉ ነገራት ከይራኸዑ የጠንቅቕ።

ብተወሳኺ እቲ ትካል ምስ ሬሳ ብሕማም ኮሌራ ዝሞተ ሰብ ብዘይ መከላኸሊ ርክብ ከይህሉ የጠንቅቕ።

ከመይ ጌርካ ኢኻ ንርእስኻ ክትከላኸላ እትኽእል?

ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናብቲ ሕማም ኮሌራ ዝርከበሉ ከባቢታት ኣብ እትገይሸሉ እዋን ከመይ ጌርካ ከም ዘይትሓምም ዝሕብር ምኽርታት ይህብ፤

  • ኣእዳውና ብቐጻሊ ብማይን ሳሙናን ምሕጻብ፣ ብፍላይ ድሕሪ ሽቓቕ ምጥቃምን ቅድሚ ምግቢ ምድላው ወይ ምብላዕና።
  • ጽሩይ ማይ ጥራይ ስተ፡ እንተላይ ኣብ ጥርሙዝ ማይ ወይ ዝተፈልሐ ማይ ቧንቧ።
  • ኣብ ጥርሙዝ ወይ ዝፈለሐ ማይ ተጠቒምካ ኣስናንካ ምብራሽ።
  • ብጥርሙዝ ወይ ብዝፈለሐ ማይ ዘይሓጸብካዮምን ባዕልኻ ዘየዳለኻዮምን ዘይበሰለ ፍረታትን ኣሕምልትን (ሰላጣ ሓዊስካ) ኣይትብላዕ።
  • ምግብታት ባሕሪ ኣይትብላዕ።
  • ኣብ መስተታትካ በረድ ኣይሃልኻ።
  • ባዕልኻ ክትቆርጾም እትኽእል ፍረታትን ኣሕምልትን ከም ባናና፡ ኣራንሺን ኣቮካዶን ምብላዕ።
  • ብቐሊሉ ዝፍወስ ሕማም

ሕማም ኮሌራ ቀልጢፍካ ኦኣርኤስ ብምስታይ ክሕከም ይኽእል።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኦኣርኤስ ካብ ሰራሕተኛታት ጥዕና ክትረኽቦ ወይውን ኣብ ገዛኻ ከይተረፈ ሓደ ሊትሮ ውሑስ ማይ፡ ሽዱሽተ ማንካ ሻሂ ሽኮርን ፍርቂ ማንካ ሻሂ ጨውን ብምሕዋስ ክስራሕ ከም ዝኽእል ይመክር።

ዓበይቲ ሰባት ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ማእከላይ ምውሓድ ማይ ንምፍዋስ ክሳብ ሽዱሽተ ሊትሮ ኦኣርኤስ ከድልዮም ይኽእል።

ኣብ ከቢድ ኩነታት፡ ሓደ ሕሙም ተወሳኺ ሕክምና ከድልዮ ይኽእል እዩ።

ብተወሳኺ ሕሙማት ንውሓት ግዜ ተምላስ ንምንካይ፡ ዘድሊ መጠን ሪሃይድሬሽን ፈሳሲ ንምንካይ፡ ከምኡውን ናብ ሰገራኦም ዝወጽእ መጠንን ንውሓት ግዜን ባክተርያ ኮሌራ ንምሕጻር ግቡእ ጸረ-ነፍሳት ይወሃቦም።

መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ሕማም ኮሌራ ብግቡእ ክንክን ብቕልጡፍ ይሓውዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሕሙማት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ካብ ትካላት ክንክን ጥዕና ይወጹ።

Images

ሕማም ኮሌራ ምውጋድ

በዓልቲ ሞያ ጥዕና ኣይሪንመንግስታት ንማሕበረሰባት ብፍላይ ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ውሕሱን ጽሬቱ ዝሓለወን ማይ ኣብ ምቕራብ ወፍሪ ክገብሩ ኣለዎምትብል።

ሓባራዊ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም/ዩኒሴፍ ኣብ 2022

  • ኣብ መላእ ዓለም 2.2 ቢልዮን ሰባት ገና ብውሑስ መንገዲ ዝመሓደር ዝስተ ማይ ኣይነበሮምን።
  • 3.5 ቢልዮን ሰባት ገና ብውሑስ መንገዲ ዝመሓደር ጽሬት (ሽቓቕ) ኣይነበሮምን፣ ካብዚኦም እቶም 419 ሚልዮን ሰባት ኣብ ክፉት ሽቓቕ ዝጥቀሙ እዮም።
  • ክልተ ቢልዮን ሰባት ኣብ ገዝኦም መሰረታዊ ኣገልግሎት ጽሬት - ማይን ሳሙናን ዘለዎ መሕጸቢ ኢድ - ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ኣካዳሚያዊ ትካላትን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ሓዊሱ ልዕሊ 50 ትካላት ዝሓቖፈ ዓለማዊ ሓይሊ ዕማም ምቁጽጻር ሕማም ኮሌራ ስትራተጂ ምቁጽጻር ሕማም ኮሌራ ኣበጊሱ።

እቲ ጉጅለ፡ ሞት ሕማም ኮሌራ 90 ምኢታዊት ንምንካይን ክሳብ 2030 ኣብ 20 ሃገራት ሕማም ኮሌራ ንምውጋድን ዝዓለመ እዩ። ቢቢሲ ትግርኛ ከም ዝፀብፀቦ

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም