ኣብ ፈጠራ ስራሕ ፈታሒ ፀገመ ዝተዋፈረ መንእሰይ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ዝተደርበዩ ናውቲ ንእሽተይ ትራክተር ሕርሻ ሰሪሑ ንኣገልግሎት ኣብቂዑ


 

ሽረ እንዳስላሰ/ሓምለ/ 24/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ፈጠራ ስራሕ ፈታሒ ፀገመ ዝተዋፈረ መንእሰይ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ዝተደርበዩ ናውቲ ንእሽተይ ትራክተር ሕርሻ ሰሪሑ ንኣገልግሎት ከምዘብቀዐ ተገሊፁ።

እዚ መንእሰይ ሽሙ ዕበ ለገሰ ዝበሃል እንትኸውን ነባሪ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ እዩ።

እዚ መንእሰይ፤ ምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዘዳለዎ ውድድር ፈጠራን ዕድል ስራሕን ንምስታፍ ካብ ዝተደርበዩ ናውቲ ዝሰርሓ ንእሸተይ ትራክተር ሕርሻ ሒዙ ብምቕራብ ኣብቲ ውድድር ካብ ዝተሳተፉ 8 ፈጠርቲ ስራሕ መናእሰይ ቀዳማይ ብምዃን ተሸላሚ ኮይኑ ኣሎ።

እታ ትራክተር ካብ ሞተራ ወፃኢ ካሊእ ኣካላታ ካብ ዝተደርበዩ  ሓፂነ መፂን ውፅኢታት ፕላስቲክን ከምዝተሰርሐት ዝተዛረበ መንእሰይ ዕበ፤ ኣብ 4 ሰዓታት ሓደ ሄክታር መሬት ናይ ምሕራስ ዓቕሚ ከምዘለዋ እውን ኣረዲኡ።

እዚ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ዝኾነ ወዲ 35 ዓመት ፈጣሪ ስራሕ መንእሰይ፤ እታ ትራክተር 56 ሽሕ ወፃኢ ብምግባር ንኣገልግሎት ከምዘብቅዓ ተዛሪቡ።

እቲ ስራሕ ትራክተር ብመልክዕ ፕሮጀክት ብምቕፃልን እቲ ስራሕ ብምስፍሕፋሕ ትራክተር እናገጣጠመ ንዕዳጋ ንምቕራብ ደገፍ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዘድልዮ ገሊፁ።

እታ ትራክተር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋላ ብናይ ሰብ ጉልበት እናተደፍአት እትሓርስን  እትሰርሕን እንተኾነት ኣብ ቀፃሊ ግና በቢእዋን እናተመሓየሸት ከምትሰርሕ ኣረዲኡ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ አኸሱም ካምፓስ ሽረ ዳዊት ማሞ(/) ብግደኦም፤ እዚ ስራሕ ፈጠራ ዘገርምን ዝተባባዕን ከምዝኾነ ርኢቶኦም ሂቦም።

እዚ ስራሕ ፈጠራ ንክስፋሕፋሕ እውን እጃም ዝምልከቶም ኣካላት ልዑል ምዃኑ ብምሕባር፤ ነዚ መንእሰይ ደገፍ ክገብርሉ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ካምፓስ ሽረ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ኣድላይ ተክኒካዊ ደገፍ ከምዝገብረሉ እውን ኣረጋጊፆም።

መንእሰይ ዕበ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳለዎ ውድድር ፈጠራ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ካብ ዝተፈላለዩ ናውቲ ዝሰርሓ ሄሊኮፕተር ሒዙ ብምቕራብ ኣሸናፊ እቲ ውድድር ብምዃን ተሸላሚ 100 ሽሕ ብር ከምዝኾነ ዝዝከር እዩ።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም