መገዲ ቦሌ ንከተማና  ብስራትን ተወሳኺ ዓወትን ተላቢሱ ተዛዚሙ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/25/ 2016 /ኢዜአ/ መገዲ ቦሌ ንከተማና   ዘበናዊ መሰረተ ልምዓታትን ፅባቐን  አላቢሱ  ብስራትን ተወሳኺ ዓወትን ኮይኑ ተዛዚሙ ክብላ ከንቲባ አዳነች አቤቤ ገሊፀን

 በሪ ኣፍሪካ፣ ኢትዮጵያን ኣዲስ ኣበባን ዝኾነ መገዲ ቦሌ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ታሃኒፁ ወቂቡን ማዕሪጉን ክፍቲ ኮይኑ አሎ

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ሰፊሕ ናይ መኪና፣ እግርን ብሽክሌታን መገዲ፣ መኪና ጠጠው መበሊ ፓርክታት፣ መፅዓኒን መውረዲን ታክሲን ኣውቶቢሰን፣ መናፈሻታት ህዝቢ፣ ሓምለዋይ ከባቢታት፣ ፋውንቴናት ወዘተ ብምክታት ኣዝዩ ብዝወቀበ መገዲ ብምህናፅ ንህዝቢ ተጠቃምነት ክፍቲ ገይርናዮ ኣለና ኢለን።

እቲ ስራሕ ንክዕወት ካብ ምፍላም ጀሚሩ ኣብ ጎንና ዝነበርኩም ኣካላት ብምልእኹም ክብሪን ምስጋናን አቕርብ ክብላ ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም