ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ብናይባዕሉ ፖሊሲ፣ ምዘናን ክፍሊትን ተምሃሮ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ብናይባዕሉ ፖሊሲ፣ ምዘናን ክፍሊትን ተምሃሮ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/25/ 2016 /ኢዜአ/ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ብርእሱከምዝመሓደርን ብናይባዕሉ ፖሊሲ፣ መዐቀኒ፣ ምዘናን ስርዓት ክፍሊትን ተምሃሮ ኣወዳዲሩ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ''ብዛዕባ ርእሰ ምሕደራ ዩኒቨርሰቲ ንምድንጋግ'' ኣዋጅ ቁፅሪ 1294/2015 ከምኡ እውን ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ደምብ ቁፅሪ 537/2016 ብዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ኢዩ ብናይባዕሉ ፖሊሲን መለክዒን መሰረት ናብ ስራሕ ከምዝኣቱ ገሊፁ ዘሎ፡፡
ብመሰረት እዚ ኣብ 2017 ዓ.ም ብስሩዕ፣ ምሸታዊን ርሕቐትን ከምኡ እውን ብ ብመርሃ ግብሪታት ቅድመ ምረቓን ድሕረ ምረቓን ናይ ምምሃር ምስትምሃር ስርሑ ርእሰ ምሕደርኡ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ፡፡