ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ብናይባዕሉ ፖሊሲ፣ ምዘናን ክፍሊትን ተምሃሮ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/25/ 2016 /ኢዜአ/ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 . ጀሚሩ ብርእሱከምዝመሓደርን ብናይባዕሉ ፖሊሲ፣ መዐቀኒ፣ ምዘናን ስርዓት ክፍሊትን ተምሃሮ ኣወዳዲሩ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ''ብዛዕባ ርእሰ ምሕደራ ዩኒቨርሰቲ ንምድንጋግ'' ኣዋጅ ቁፅሪ 1294/2015 ከምኡ እውን ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ደምብ ቁፅሪ 537/2016 ብዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ኢዩ ብናይባዕሉ ፖሊሲን መለክዒን መሰረት ናብ ስራሕ ከምዝኣቱ ገሊፁ ዘሎ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ 2017 . ብስሩዕ፣ ምሸታዊን ርሕቐትን ከምኡ እውን ብ ብመርሃ ግብሪታት ቅድመ ምረቓን ድሕረ ምረቓን ናይ ምምሃር ምስትምሃር ስርሑ ርእሰ ምሕደርኡ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም