ኢትዮጵያዊ ምስጋና ዋቁማ ብ20 ኪሎ ሜትር ውድድር ስጉሚ መበል ሻድሻይ ደረጃ ሒዙ ዛዚሙ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/25/ 2016 /ኢዜአ/ ምስጋና ዋቁማ፥ ኣብ ፈረንሳይ፣ ፓሪስ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መበል 33 ውድድር ኦሊምፒክ 20 ኪሎ ሜትር ውድድር ስጉሚ ደቂ ተባዕቲዮ መበል ሻድሻይ ደረጃ ብምሓዝ ዛዚሙ።

ኣትሌት ምስጋናው ዋቁማ 1 ሰዓትን 19 ደቒቓን 31 ሴኮንድን ብምእታው መበል ሻድሻይ ደረጃ ሒዙ።

ኣብቲ ውድድር ኢኳዶር እንትትዕወት፥ ኣትሌታት ብራዚልን ስፔንን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም