ስታዲየም ባህርዳር ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ውድድራት ንምትእንጋድ ብዘኽእል አገባብ ይህነፅ ኣሎ-ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/25/ 2016 /ኢዜአ/ ስታዲየም ባህርዳር ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ውድድራት ምትእንጋድ ብዘኽእል አገባብ ይህነፅ ኣሎ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ  እቲ ስታዲየም ዘለወሉ ብርኪ ህንፀት ርእይና ኢሎም።

ኣብ ምዕራፍ ህንፀት ናይ መወዳእታ ብርኪ ከምዝርከብ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ህንፀቱ ተዛዚሙ ፀወታታት ንከተኣናግድ ዘኽእል ድጋፋት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።

ኣብ ፃንሒቶም ኣብቲ ስታዲየም መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከምዘካየዱ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም