ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ መድሃኒት ዝጻወር ዓሶ ይስፍሕፋሕ ኣሎ


 

አዲስ አበባ/ሓምለ/25/2016/ኢዜአ/ ተመራመርቲ መድሃኒት ሕማመ ዓሶ ምጽዋር ዓቕሚ ዘለዎም ጽግዕተኛ ሕማም ዓሶ ኣብ ኣፍሪቃ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ብህጹጽ ስጕምቲ እንተዘይተወሲዱ ህይወት ሚልዮናት ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎ ኣጠንቂቘም።

እዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማም፡ በቲ ኣርተሚሲኒን ዝበሃል መድሃኒት ዓሶ ናይ ምክልኻል ባህሪ ኣጥርዩ ከምዘሎዮም እዞም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።

እዚ ሓድሽ ዓይነት ዓሶ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ነዚ መድሃኒት ናይ ምጽዋር ዓቕሙ ካብ 1 ሚእታዊት ናብ 20 ሚእታዊት ክብ ኢሉ ከምዘሎዮም እዞም ክኢላታት ዝገልጹ።

ካብ 10 ሃገራት ዝተወፃጽኡ 28 ክኢላታት ሕማም ዓሶ፡ ኣብ መጽሄት ጆርናል ኣብ ዘሕተምዎ ምርምራዊ ውጽኢት፡ እዚ ኣርተሚሲኒን ንጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ብምቕታል ቀንዲ ኣገባብ መፈወሲ ሕማም ዓሶ ኰይኑ የገልግል ከምዘሎዮም ዝገልጹ።

ነዚ ኣርቲሚሲኒን ናይ ምክልኽል ዓቕሚ ዘለዎም ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ መጀመርታ ኣብ ሩዋንዳ ከምዝተራኣዩን ቀልጢፎም ከኣ ናብ ዩጋንዳን ናብ ኤርትራን ከም ዘተስፋሕፍሑ ብምግላጽ ሕዚ ናብ ሓያለ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተዘርጊሖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ከኣ ልዕሊ 10 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሩዋንዳ፡ ዩጋንዳን ታንዛንያን ዝርኣዩ ዘለዉ ዓይነታት ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ንመድሃኒት ኣርተሚሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣጥርዮም ከምዘለዉ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም።

ሓደ ካብዞም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ናይጀርያዊ ፕሮፌሰር ኦሉግበንጋ ሞኩሎ ኰይኖምሚልዮናት ሰባት ከይሞቱ እንተለዉ እቲ ስጕምቲ ዝውሰደሉ ግዜ ሕዚኢሎም።

ኣብ 2016 ንመጀመርታ ግዜ መድሃኒት ሕማም ዓሶ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዝደለቡ ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ኣብ ዩጋንዳ ተራእዮም።

ኣብ 2019 ኣብ ዝተገበረ ዳህሳስ ከኣ 20 ሚእታዊት ካብቶም ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ንመድሃኒት ኣርተሚሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከምዝደለቡ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ።

እቶም ጕጅለ ተመራመርቲ፡ ምስፍሕፋሕ ናይዞም ንመድሃኒት ኣርተሚሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዘጥረዩ ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ክዕገተሉ ናብ ዘይክእል ደረጃ ከምዝበጽሐዮም ኣጠንቂቘም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ተመሳሳሊ ክስተት ኣጋጢሙ፡ ኣብ ኣርተሚሲኒን ዝተሞርኮሰ ኣገባብ ፍወሳ ሕማም ዓሶ ውዱቕ ክሳብ ዝኸውን ከምዝበጽሐ ኣብ ታይላንድ፡ ኣብ ክፍሊ ኦክስፎርድ ትሪፒካል መዲሰን ሪሰርች ተመራማሪ ዝዀኑ ዶክተር ምሁል ድሆረዳ ይሕብሩ።

ዶክተር ምሁል ነቲ ናይ ደቡባዊ ምብራቅ ኤስያ ከም ኣብነት ብምቕራብካብታ ዝተፈለጠላ ክሳብ ምሉእ ንምሉእ ናብ ብዙሕ ዘስፋሕፍሕ ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ወሲዱይብሉ።

ኣብ 1970ታትውን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቶም ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ነቲ ኣብቲ እዋን ከም መድሃኒት ሕማም ዓሶ ዘገልግል ዝነበረ ክሎሮኪን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ደሊቦም ነይሮምዮም ኣብ 1980ታት ከኣ እቲ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ክሳብ ምዕራብ ኣፍሪቃ በጺሑ።

ብሰንኪ'ዚ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ 1980 ብሰንኪ ሕማም ዓሶ ዝመውት ዝነበረ ሰብ 493 ሽሕ' ነይሩ፡ ኣብ 2004 ከኣ ናብ 1.6 ሚልዮን ክብ ክብል ክኢሉ።

ቢቢሲ ከም ዝፀብፀቦ እዞም ተመራመርቲ ከኣ ነዚ ከም ኣብ ኣብነት ብምጥቃስእቶም ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ንኣርተሚሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ካብ ኣማዕበሉ ቍጽሪ ብሕማም ዓሶ ዝሞቱ ሰባት ግድን ክውስኽይብሉ።

እዞም ተመራመርቲ ነተን ሕማም ዓሶ ዘመሓላልፋ ጣንጡን ነቶም ጽግዕተኛታትን ኣመልኪቶም እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ለበዋ ብምሕላፍ ኣብ ልዕሊ ኣርተሚሲኒን ካልእ ተወሳኺ መድሃኒት ሕማም ዓሶ ክስራሕ እዋኑ ምዃኑ ተላብዮም ኣለዉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም