ሚኒስቴር ፍትሕን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ኣብ ከተማ ጋምቤላን ከባቢኡን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ የካይዱ ኣለው




 

ጋምቤላ/ሓምለ /25/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ፍትሕን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ኣብ ከተማ ጋምቤላን ከባቢኡን ሕድሳት መንበሪ ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ የሳልጡ ኣለው።

ሓለፍቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ካብ ሎሚ ንጉሆ ጀሚሮም ኣብ ከተማ ጋምቤላን ከባቢኡን ስራሕ ፅሬት፣መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋ ኣሰር፣ምጅማር ሕድሳት መንበሪ ዓቕሚ ዘይብሎምን ካልኦት ስራሕቲ ሰናይ ፍቓድን የካይዱ ኣለው።

ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ሚኒስቴር ዲኤታ ዘፈር ፍትሒ ኣይተ በላይሁን ይርጋ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝበልዎ፤ እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ናብቲ ከባቢ ዝኸድሉ ምኽንያት ኣብቲ ክልል ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ንምሕጋዝ እዩ።

እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ብፍላይ ድማ ሕድሳት መንበሪ ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት፣መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋ ኣሰር፣ስራሕ ፅሬትን ካልኦት ኣገልግሎታት ሰናይ ፍቓድን ከምዘሳልጡ ተዛሪቦም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ቴንኩዌይ ጆክ ብግደኦም፤ እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ናብቲ ክልል ብምኻድ ስራሕቲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ንምሕጋዝ ንዘርኣይዎ ተበግሶ ምስግና ኣቕሪቦም።

እቶም ብኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ዝሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ምትሕብባር ልምዓትን ምድግጋፍን ዘጠናኽሩ እዮም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም