ስራሕቲ ልምዓት ብውፅኢታውነት ንምቕፃል ሰላም ኩላትና ክንሕልዎ ኣለና-ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው



 

ነቀምቴ/ሓምለ /25/2016 (ኢዜኣ) ስራሕቲ ልምዓት ብውፅኢታውነት ንምቕፃል ኩላትና ሰላም ክንሕሉ ኣለና ክብላ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ገሊፀን።

ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ከተማ ነቀምቴ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ዳቦን ሕሩጭን ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፣ፕሬዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ፋብሪካ ስራሕ ምጅማሩ ንነበርቲ እቲ ከተማ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሓረስቶት እቲ ከባቢ እውን እዩ ዝጠቅም።

እቲ ፋብሪካ ዝጥቀሞ ፍርያት ኣብቲ ከባቢ ስለዝፈሪ ነቲ ሓረስታይ ዕድል ዕዳጋ ኣብ ምፍጣር ዓብይ ዕድል ከምዘለዎ ገሊፀን።

ከባቢ ወለጋ ብሃፍቲ ተፈጥሮ ዝማዕበለን ናይ ምልማዕ ዓቕሚ ዘለዎን ምዃን ብምሕባር፤ ቤት ፅሕፈተን ነቲ ዞባ ዝገብሮም ስራሕቲ ልምዓት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም ኢለን።

ኣብቲ ከባቢ ብዝበለፀ ንምስራሕ ሰላም መሰረታዊ ነገር ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኩሉ ሰላሙ ንክሕልዉን ኣምባሳደር ሰላም ንክኸውንን ፃውዒት ኣቕሪበን።

̍እዚ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ዳቦን ሕሩጭን ንዓኹም ስለዝኾነ ንነዊሕ ዓመታት ንከገልግልን ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንክሸጋገርን ክትከናኸንዎ ይግባእ̍ ክብላ እውን ተዛሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም