ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣብ ከተማ ሆሳእና ንኣረጋውያንን ተምሃሮን ድጋፍ ገይሩ





 

አዲስ አበባ/ሓምለ/26/2016/ኢዜአ/ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ከተማ ሆሳእና ብግልጋሎት ወለንታውነት ኽረምቲ ንኣረጋውያን ድጋፍ ገይሩ።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር 'ውን ኣካይዱ።

እቲ መርሃ ግብሪ ንኣንፈት መንግስቲ ስዒቡ ዝፍፀም ምዃኑ ከምኡ 'ውን ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን  ኣብ ኣማሮ ኬሎ ተመሳሳሊ ድጋፍ ከምዝተገበረን በቢዓመቱ ተግባራዊ እናተገበረ ዝቐፀለ ምዃኑን ተገሊፁ።

220 መራሕቲ ስድራ ሓርጭ ፊኖን ዘይትን ድጋፍ ዝገበረ እንትኸውን፤ 220 ተምሃሮ 'ውን ድጋፍ መምሀሪ ናውቲ ገይሩ።

ሚኒስትር ዶክተር ኣለሙ ስሜ ብዘጀመሩዎ መርሃ ግብሪ ሕድሳት አባይቲ ሰለስተ ኣረጋውያን  ከምዝግበር ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም