ብቕዓት ሓንጐልኩም ንኸየንቆልቁል ነዞም 8 መግብታት ኣዘውትሩ



 

ሓንጐል ወዲ ሰብ፡ ምስ ኣብ ሰዓት ኣስታት 431 ኪሎሜተር ምጕዓዝ ብዝመሳሰል ፍጥነት ሓበሬታ ከሰላስል ከምዝኽእል ትፈልጡ?

ከም ማእከል ምቍጽጻር ኣካላት፡ ሓንጐልና ኣብ ህርመት ልቢ፡ ምስትንፋስ ሳንቡእ፡ ምሕሳብ፡ ምቅስቓስን ኵሉ ንጥፈታት ኣካልን ዘለዎ ሓላፍነት እዚ ኢልካ ዝግለጽ ኣይኰነን።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ኣካል ድማ፡ ግቡእ ነዳዲ ክረክብን ብቕዓቱ ከየንቆልቁል ምግባርን ኣዝዩ ኣገዳሲዩ።

እንተዀነ ንምንቁልቋል ብቕዓት ሓንጐል ዝከላኸል ተኣምራዊ ከኒና የለን።

ኣብዚ እዋን ድማ ቍጽሪ ናይቶም ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ዘጋጥሞም ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ስለዚ ሓንጐልና ኣብ ዝለዓለ ብቕዓት ንኽጸንሕ እንታይ ክንገብር ንኽእል?

እቲ ጥዑይን ሕጕስን ሓንጐል ንኽህልወና ዝሕግዝ ኣገዳሲ ኣገባብ ኣመጋግባ ምዃኑ ዝገልጹ መርትዖታት እናወሰኹ ይመጹ ኣለዉ።

ብዙሕ ፍረታት፡ ኣሕምልቲ፡ ጥራምረን ዘይተፈተገ እኽልን ዘጠቓለለ ጥዑይ ኣመጋግባ ክንክተል ከምዝግባእውን የጕልሑ።

ገለ ካብቶም ጥዕና ሓንጐል ንምዕቃብ ዝሕግዙ ብሉጻት መግብታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

    1. 1. ዝበዅዐ መግቢ

ምጹጽ ካሉሎ፡ ኪምቺ፡ ኬፊር፡ ሰማያዊ ፎርማጆን ኮምቡቻን ዝኣመሰሉ ዘይመኸኑ መግብታትን መስተታትን ኣብ መዓንጣና ዝርከቡ ጠቐምቲ ባክተርያታት ንኽዓብዩ ይሕግዙ እዮም።

እዞም ባክተርያታትን ነፍሳትን ኣብ ጥዕና ሓንጐል ዘለዎም ጽልዋ ገና ብዙሕ መርመራ የድልዮ እዩ።

እንተዀነ ኣብ እንስሳታት ዝተገብሩ መጽናዕትታት፡ ኣብ መዓንጣ ዝርከቡ ነፍሳት ካብ ጭንቀት ክሳብ ኣቃውማ ሓንጐልና ንዅሉ ክጸልዉ ከምዝኽእሉ የመልክቱ።

እዞም ባክተርያታትን ነፍሳትን ንሓፈሻዊ ጥዕና ከይተረፈ ኣገደስቲ እዮም።

    1. 2. ሻሂ፡ ቡንን ጸሊም ቸኮሌትን

እዚኦም ብፖሊፊኖል ዝሃብተሙ ኰይኖም፡ ተጣጣዕነት ሰራውር ደም ከዕብዩ ይኽእሉ። እዚ ድማ ደም ዝያዳ ብናጽነት ክውሕዝ የኽእሎ።

ፖሊፊኖል ኣብ መዓንጣ ናብ ፊኖሊክ ኣሲድ ስለዝቕየር፡ ኣብ ዓቕሚ ምክልኻል ዋህዮታት ሓንጐል እወታዊ ጽልዋ ኣለዎ።

መጽናዕትታት ከምዘረጋገጽዎ ሻሂ ጭንቀት ንምንካይን ከምኡውን ዝኽርን ኣቓልቦን ንምምሕያሽን ይሕግዝዩ።

ካፈይን ኣብ ሓንጐል ዝርከብ ካብ ሕማም ረሲዕ ዝከላኸል ኢንዛይም ክውስኽ ይገብር።

ከምኡውን ጸሊም ቸኮሌት ዋሕዚ ደም ናብ ሓንጐል ክውስኽ፡ ዝኽርን ርእየትን ክመሓየሽ ክገብር ከምዝኽእል ዝሕብሩ መርትዖታት ኣለዉ።

    1. 3. ቆጽሊ ዘለዎም ኣሕምልቲ

ቻርድ፡ ዓዃይ ካውሎ፡ ሓምሊ ኣድሪ ዝኣመሰሉ ኣሕምልቲ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ መኣዛታት ዝሓዙ እዮም።

ገለ ካብዚኦም ቤታ ካሮቲን፡ ፎሌት፡ ቫይታሚን ኬን ማግኒዥየምን ዝርከብዎም ኰይኖም ኣብ ስራሕ ሓንጐልን ስርዓተ መትኒን ርኡይ ጽልዋ ኣለዎም።

ስለዚ ብዙሕ ቆጽሊ ዘለዎም ቀጠልያ ኣሕምልቲ ምብላዕ፡ ምስ ዝደንጐየ ምንቍልቋል ዕድመ ሓንጐል ከምኡውን ምስ ዝሓሸ ዝኽሪን ትሑት ሓደጋ ምዝንባዕ ጥዕና ኣእምሮን ዝተኣሳሰር እዩ።

    1. 4. ጨው ዘይብሉ ዘይተቐለወ ፉል

ከም ኣልሞንድ፡ ብራዚል ነት፡ ሃዘልነት፡ ፒስታን ዎልነትን ዝኣመሰሉ ዓይነታት ፉል ክቡራት ምንጪ ፖሊፊኖል እዮም።

እዚኦም ኣብ መዓንጣና ብዝርከቡ ባክተርያታት ምስ ዝሓቁ፡ ነድሪ ብምንካይ ንሓንጐል ዝከላኸል ፊኖሊክ ኣሲድ የፍርዩ።

ብተወሳኺ ዋህዮታት ሓንጐል ዝራኸቡሉ ኣገባብ ንምምሕያሽ ይሕግዙ።

ሓደስቲ ዋህዮታት ሓንጐል ንኽፍጠሩን ንክስፋሕፍሑን እውን ኣበርክቶ ይገብሩ።

እዚኦም ዓይነታት ፉል ጽቡቕ ምንጪ ቫይታሚን እውን እዮም፤ እዚ ማለት ኣብ ግዜ እርጋን ምስ ዝሓሸ ዝኽሪ ብቐጻሊ ዝተኣሳሰሩ እዮም።

    1. 5. ፍረታት ቤሪ

ከም ፍራውለ፡ ፍረ ሳምቡኮ፡ ሰማያዊ ጐምጠጥ፡ ብላክቤሪ፡ ክራንቤሪ ዝኣመሰሉ ፍራምረ ንህላወ ዋህዮታት ሓንጐል ዝድግፍ ውሁድ ብብዝሒ ክፈርይ ይሕግዙ።

እዚ ድማ ኣቓልቦን ናይ ሓጺር ግዜ ዝኽርን ንኽመሓየሽን የኽእል።

ከም ውጽኢቱ ድማ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ምርግጋጽ ዝጻወትዎ ተራ ቀሊል ኣይኰነን።

    1. 6. ባልደንጓን ዘይተፈተገ እኽልን

ባልዶንጓን ካልኦት ዘይተፈተጉ ኣእካልን ብፋይበር ዝሃብተሙ እዮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ሃገራዊ መጽናዕቲ ኣመጋግባን መኣዛታትን፡ ካብቶም ካብ 19 ክሳብ 64 ዓመት ዝዕድመኦም ዓበይቲ ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቶም እኹል ፋይበር ዝምገቡ 9 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝዀኑ የመልክት።

ይዅንምበር እዞም ፋይበር ዘለዎም መግብታት ኣብ ጥዕና ልዑል እወንታዊ ጽልዋ ኣለዎም።

ኣብ መዓንጣ ዝርከቡ ባክተርያታት ንፋይበር ከሕቕቑ እንከለዉ፡ ሓደ ካብቲ ጐድናዊ ፍርያት፡ ሓጺር ሰንሰለታዊ ስብሒ ኣሲድ (SCFAs) ዝበሃሉ ውህደታት ዝሓዘ ጕጅለ እዩ።

እዞም ውህደታት እዚኦም፡ ጥዕና መከላኸሊ መዓንጣ ብምዕቃብ ሓንጐል ካብ ነድሪን ጸቕጥን ይከላኸሉ።

    1. 7. ምግቢ ባሕርን ተኽሊ ባሕርን

እዚኦም ድማ ንናይ ሓንጐል ዓቕሚ ጸረ-ኦክስጅን ኣብ ምድጋፍ ጠቐምቲ እዮም።

ብዝተፈላለዩ መኣዛታት እውን ዝሃብተሙ ስለዝዀኑ ኣብ ጥዕና ልዑል እወታዊ ጽልዋ ከሕድሩ ተኽእሎ ኣሎ።

ሓደ ካብቶም መኣዛታት ኣዮዲን ኰይኑ፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ንዕብየት ሓንጐል እቲ ዕሸል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

    1. 8. ዘይቲ ዘለዎ ዓሳ

ከም ሳልመን፡ ማከረል፡ ኣንቾቪስ፡ ትራውት፡ ሄሪንግን ሰርዲንን ዝኣመሰሉ ዓሳታት ብኦሜጋ-3 ዝሃብተሙ እዮም።

ኦሜጋ-3 ድማ ኣብ ጥዑይ ኣቃውማን ስራሕን ሓንጐል ክመጽእ ከሎ መተካእታ የብሉን።

መርትዖታት ከም ዝሕብርዎ፡ እዞም መግብታት ነቶም ቅልል ዝበለ ናይ ኣእምሮ ጸገምን ጭንቀትን ዘለዎም ሰባት ጠቐምቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ንምግባር ድማ ኣብ ሰሙን ሓደ ወይ ክልተ ክፋል ዘይቲ ዘለዎ ዓሳ ምብላዕ ተመራጺ ይኸውን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም