ኣብ ክልል ሃረሪ ን75 ሽሕ ዜጋታት ተጠቀምቲ ዝገብር ግልጋሎት ናፃ ሕክምና ምሃብ ተጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ሃረሪ ን75 ሽሕ ዜጋታት ተጠቀምቲ ዝገብር ግልጋሎት ናፃ ሕክምና ምሃብ ተጀሚሩ
አዲስ አበባ/ሓምለ/26/2016/ኢዜአ/ኣብ ክልል ሃረሪ ሰናይ ተግባር ንልዕልነት ኢትዮጵያ ብዝብል ቴማ ን75 ሽሕ ዜጋታት ተጠቀምቲ ዝገብር ግልጋሎት ናፃ ሕክምና ምሃብ ተጀሚሩ።
ነቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ሆስፒታል ጁገል ዘጀመርዎ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሃረሪ ኣይተ ጌቱ ወዬሳ ፓርቲ ብልፅግና ብብርኪ ሃገር ለኸ መነባብሮ ማሕበረሰብ ዘቃልሉ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ጠመተ ሂቡ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም።
እቲ ሎሚ ዝተጀመረ አገልጋሎት ናፃ ሕክምና ዜጋታት ግቡእ ሕክምና ንክረኽቡ ብምግባር ጥዑይን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ዜጋ ንምፍራይ ዓብዪ ረብሓ ዘለዎ ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ አገልጋሎት ከፊሎም ክሕከሙ ንዘይኽእሉ ዜጋታት ዓቕመ ትሑታት ተጠቀምቲ ንክኾኑ ዘኽእል ምዃኑ 'ውን ገሊፆም።