ኣብ ክልል ሃረሪ ን75 ሽሕ ዜጋታት ተጠቀምቲ ዝገብር ግልጋሎት ናፃ ሕክምና ምሃብ ተጀሚሩ




 

አዲስ አበባ/ሓምለ/26/2016/ኢዜአ/ኣብ ክልል ሃረሪ ሰናይ ተግባር ንልዕልነት ኢትዮጵያ ብዝብል ቴማ 75 ሽሕ ዜጋታት ተጠቀምቲ ዝገብር ግልጋሎት ናፃ ሕክምና ምሃብ ተጀሚሩ።

ነቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ሆስፒታል ጁገል ዘጀመርዎ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሃረሪ ኣይተ ጌቱ ወዬሳ ፓርቲ ብልፅግና ብብርኪ ሃገር ለኸ መነባብሮ ማሕበረሰብ ዘቃልሉ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ጠመተ ሂቡ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

እቲ ሎሚ ዝተጀመረ ገልጋሎት ናፃ ሕክምና ዜጋታት ግቡእ ሕክምና ንክረኽቡ ብምግባር ጥዑይን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ዜጋ ንምፍራይ ዓብዪ ረብሓ ዘለዎ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ አገልጋሎት ከፊሎም ክሕከሙ ዘይኽእሉ ዜጋታት ዓቕመ ትሑታት  ተጠቀምቲ ንክኾኑ ዘኽእል ምዃኑ 'ውን ገሊፆም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም