ስራሕ ምትሕብባር ነበርቲ ከተማና ጎሊሁ ዝተረኣየሉን ምውዳድ ካብ ከተማ ክሳብ ፌደራል ዘለዉ ኣብያተ ዕዮ ዝተረጋገፀሉን እዩ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

 





 

አዲስ አበባ/ሓምለ/26/2016/ኢዜአ/ ለውጢ ኣዲስ ኣበባ ሃፍቲ ብምቑጣብ፣ ንግቡእ ሓባራዊ ልምዓት ጥራሕ ብምውዓልን ንዜጋታት ጠመተ ብምሃብን እናተተግበረ ዝርከብ፣ ኣብ ፈጠራን ቕልጣፈን ዝተመስረተ ቐፃልነት ዘለዎ 'ዩ። 

እቲ ስራሕ ምትሕብባር ነበርቲ ከተማና ጎሊሁ ዝተረኣየሉን ምውዳድ ካብ ከተማ ክሳብ ፌደራል ዘለዉ ኣብያተ ዕዮ ዝተረጋገፀሉን እዩ።

ብምዃኑ 'ውን ብስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርና ህንፃታትኩም ብመሰረት ስታንዳርድን ዲዛይንን ከተማና ዘማዕረግኩም ከምኡ 'ውን ንእግረኛ መመሓላለፊ ንክኸውን ምቹው ብምግባር ዝሰራሕኩም ሰብ ዋና ህንፃ፣ ልዕሊ ኹሉ መገልገሊ ቦታታት ክፍቲ ብምግባር ከተማና 24 ሰዓት ዘይትድቅስን ትንቀሳቐስን ንክትኾን ኣወሃህባ ግልጋሎትኩም ዝለወጥኩም፣ ብሓፈሻ ዕላማ እቲ ልምዓት ኮሪደር ዘሳኻዕኩም ነበርቲ ከተማና ኩሉኹም ብባዕለይን ብሽም እቲ ምምሕዳር ከተማን ከመስግነኩም ይደሊ።

እንትንሓብር ኸምዚ ዓይነት ቕልጡፍ፣ ሰፊሕ፣ ፅርየትን ቐፃልነትን ዘለዎ ለውጢ ምምዝጋብ ንኽእል ኢና። ሕዚ 'ውን ነዚ ስራሕ ኣብ ኻልኦት ከባቢታት ከተማና 'ውን ስለነስፋሕፍሖ ብዝለዓለ ምትሕብባርን ምቅርራብ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ምስራሕና ንክንቕፅል ፃውዒተይ የቕርብ።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም