ብ1 ሺሕን 500 ደቂ ተባዕትዮ መፃረይ ውድድር ኤርሚያስ ግርማን ሳሙኤል ተፈራን ናብ ፍርቂፍፃመ ሓሊፎም


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/26/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ መበል 33 ውድድር ኦሊምፒክ ፓሪስ 1 ሺሕን 500 ደቂ ተባዕትዮ መፃረዪ ውድድር ኤርሚያስ ግርማን ሳሙኤል ተፈራን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፎም።

ኣብ ምድብ ክልተ ዝተወዳደረ ኣትሌት ኤርሚያስ ግርማ 3 ደቒቕን 35 ሴኮንድን ምስ 21 ማይክሮ ሴኮንድ ብምእታው ውድድሩ ቀዳማይ ብምውፃእ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፉ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ምድብ ሰለስተ ዝተወዳደረ ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ድማ 3 ደቒቕ 37 ሴኮንድን 34 ማይክሮ ሴኮንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ሻድሻይ ደረጃ ብመሓዝ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ክሓልፍ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ ምድብ ሓደ ዝተወዳደረ ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ መበል 14 ደረጃ ብውፅኡ ካብቲ መፃረዪ ክሓልፍ ኣይከኣለን፡፡

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም