ንዞባ ጎፋ 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ደገፍ ተገይሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ንዞባ ጎፋ 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ደገፍ ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/26/ 2016 /ኢዜአ/ ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ዝኸውን 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ።
ሚኒስትር ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፥ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊፀን።
2 ሚሊየን ብር ብጥረ ገንዘብን 2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ዝግመት ብዓይነትን ደገፍ ከምዝተገበረ ድማ ኣፍሊጠን።