ንዞባ ጎፋ 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ደገፍ ተገይሩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/26/ 2016 /ኢዜአ/ ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ዝኸውን 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ።

ሚኒስትር ኤርጎጌ ተስፋዬ (/) ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊፀን።

2 ሚሊየን ብር ብጥረ ገንዘብን 2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ዝግመት ብዓይነትን ደገፍ ከምዝተገበረ ድማ ኣፍሊጠን።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም