እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ህልውና ባንክታት ኢትዮጵያ ዘቐፀለ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /26/2016 (ኢዜኣ) እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ህልውና ባንክታት ኢትዮጵያ ዘቐፀለ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) እቲ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚኣ ዕፁው ገይራ ምፅንሓ ንዘበናት ኣብ ትሕቲ ፈተና ንክትወድቕ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

እቲ ንግዲ ወፃኢ በቲ ዝድለ መጠን ሸርፊ ወፃኢ ምእታው ተሳኢንዎ ከምዝፀንሐ ብምሕባር፤ ፍርያታት ኢትዮጵያ ብኮንትሮባንድ ንክወፁ ከምዝገበረ ከም ኣብነት ኣረዲኦም።

ስለዝኾነ እውን እቲ መመሓሺ ኣብ ኢኮኖሚ ዝነበሩ ስምብራታት ብምፍታሕ ዝሓሸ ምንቕቓሕ ከምዝፈጥር ፀሪሖም።

ብፍላይ ድማ ህልውና ዓውዲ ፋይናንስ ኣብ ምቕፃል ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ሓቢሮም።

መንግስቲ ምስ ትካል ገንዘብ ዓለምን ባንኪ ዓለምን ኣብ ዝገበሮም ድርድራት ካብ ዘልዓሎም ጉዳያት እቲ ሓደ ብዛዕባ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

በቲ ድርድር እውን እቲ ባንኪ 700 ሚልዮን ዶላር ዝኸውን ተወሳኺ ገንዘብ ካብቶም ትካላት ከምዝረኸበ ኣብራህሪሆም።

ስለዝኾነ እውን እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ህልውና ባንክታት ኢትዮጵያ ዘቐፀለ ምዃኑ ኣረዲኦም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም