ሚኒስቴር ቱሪዝም ኣብ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግሃስ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ደገፍ ገይሩ

 

ሳውላ/ሓምለ /26/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ቱሪዝም ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግሃስ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት 3 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሩ።

ኣብቲ ቦታ ተረኺበን እቲ ደገፍ ዘረከባ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ፤ በቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ሓዘን ከምዝተሰምዐን ገሊፀን።

ኣብ ትሕቲ እቲ ሚኒስቴር ምስ ዘለው በዓል መዚ ሓለዋ ሓድግን በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳምን ብምትሕብባር ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ደገፍ ንምግባርን ንምፅንዕናዕን ናብቲ ከባቢ ከምዝኸዱ ተዛሪበን።

ሚኒስቴር ቱሪዝምን ተፀዋዕቲ ትካላቱን በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ከባቢ 3 ሚልዮን ብር ደገፍ ከምዝገበሩ እውን ኣረዲአን።

እቲ ደገፍ ዝተረከቡ ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበር ክላስተር ግብርናን ልምዓት ገጠርን ከምኡ እውን ሓላፊ ቢሮ ማይ፣መዓድንን ኢነርጅን ኢንጂነር ኣክሊሉ ኣዳኝ፤ ነቲ ዝተገበረ ደገፍ ኣመስጊኖም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም