እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ሓዊሱ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተረባሒት ንክትኸውን ዝገብር እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /26/2016 (ኢዜኣ) እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተዓፅዩ ዝፀንሐ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ክፉት ብምግባር ኣብ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ሓዊሱ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተረባሕቲ ንክንኸውን ዝገብር እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) እቲ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ እቲ መመሓየሺ ብቁንፁል ዘይኮነስ ብሙሉእነት ምርዳእ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

እቲ መመሓየሺ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ብኣተሓሳስባ መደመር ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ መትከላት ፅንሰ ሓሳብ ልምዓት መሰረት ዝገበረ እዩ ኢሎም።

ኣብ ፅባሕ እቲ ሃገራዊ ለውጢ መንግስቲ ካብ ዝወሰኖም ውሳነታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ ክፉት ምግባር እቲ ሓደ ከምዝነበረ እውን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ኣፍሪካ ግዙፍ ኢኮኖሚ ካብ ዝሃነፃ ሃገራት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ጥራሕ ብብርክት ዝበሉ ጉዳያት ዕፅው ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ ነባራዊ ኩነታት በዚ መንገዲ እቲ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ምግባር ኣይከኣልን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ኢኮኖሚ ዓፅያ ኣብ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ሓዊሱ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተረባሒት ከምዘይትኸውን እውን ኣብራህሪሆም።

ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ብብርኪ ኣህጉር ተግባራዊ ኣብ ዝግበር ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ተረባሒት ንምዃን እቲ ዝተዓፀወ ኢኮኖሚ ክፉት ክግበር ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እቲ መመሓየሺ እውን እዚ ተግባራዊ ዝገብር ምዃኑ ኣረዲኦም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም