መገዲ ቦሌ ማእኸል ኣገልግሎት ድሙቕ ንግዲን ዘበናዊ ምንቅስቓስን መዲና ኣዲስ ኣበባ ኢዩ


 

አዲስ አበባ/ሓምለ/26/2016/ኢዜአ/ ናብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌን ናብ ካልኦት ክፍሊታት እታ ከተማን ንዝግበር ጉዕዞ ዝቐላጠ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝውዕል መስመር እውን ኢዩ።

ኣብ በቢመገዱ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ማእኸላት ቢዝነስ፣ ሆቴላት፣ ሬስቶራንታትን ሹቓትን ቀልቢ በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝስሕቡ ኢዮም።

ንዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ መገዲ ቦሌ ብምንቅስቓስ ልምዓት ኮሪደር ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ፅሬት ልምዓት ከተማን ኣዲስ ኣበባ ብዘርኢ ኩነታት ክብ ዝበለ ስራሕ እናተሰርሐ ፀኒሑ ኢዩ።

ካብ ቦሌ ድልድል ክሳብ መስቀል ኣደባባይ ዝተሰርሐ ስራሕ ካልኦት ተግባራት ሓዊሱ ዝስዕቡ ዓበይቲ ተግባራት ዘካተተ ኢዩ፤

* ልምዓት መገዲ 4.3 ኪሎ ሜትሮ

* ህንፀት እግረኛ መገዲ 10 ኪሎ ሜትሮ

* ህንፀት መገዲ ብስክሌት 13.2 ኪሎ ሜትሮ

* ስራሕቲ ምንፃፍ ግራናይትን ባዛልትን 30,160 ካሬ ሜትሮ

* ስራሕቲ ጠጠው መበሊ 30 ኣውቶቡሳትን ታክስታትን

* ስራሕቲ 10 ቦታታት ፓርኪንግ መኻይን

* ልዐሊ 10 ዝኾኑ ኣናእሽቲ ናይ ህዝቢ ፓርክታትን መዕረፊ ፕላዛታትን

* ልዕሊ 500 ዝኾኑ ፅገናን ሕድሳትን ህንፃታትን ኣባይቲን ወሰነ መገዲ

ንቐንዲ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም