ሓባራዊ መድረኽ ምኽክር ሚኒስቴር ግብርና፣ቢሮታት ግብርና ክልላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ኣሶሳ ይካየድ ኣሎ



 

ኣሶሳ/ሓምለ/ 26/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ 2016 ትልሚ 2017 ዝጠመተ ሓባራዊ መድረኽ ምኽክር ሚኒስቴር ግብርና፣ቢሮታት ግብርና ክልላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ኣሶሳ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ።

ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (/) ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ክልላት ዘለወን ሃፍቲ ተፈጥሮ ግብርና ድኽነት ኣብ ምቕናስ ንከውዕለኦ ብፍሉይ ኩነታት ደገፍ እናተገበረ እዩ።

ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብፍላይ ድማ ኣብ ልምዓት ሕርሻ ውፅኢት ዝተረኸበሉ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ልምዓት ስርናይ ዝተመዝገበ ውፅኢት ከም ኣብነት ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ብግደኦም፤ ኣብቲ ክልል ሰላም ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ውሕስና ምግቢ እቲ ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ ኢሎም።

ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ምውዳድ ተግባርን ኣተሓሳስባን ንክህሉ ስለዝተገበረ ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዓውድታት ውፅኢት ከምዝተመዝገበ እውን ተዛሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ፤ ሓለፍቲ ቢሮ ግብርና ክልላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ከምኡ እውን ዝምልከቶም ኣካላት ተረኺቦም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም