ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ሃገራዊ ዕቤት ብዘቕፅል ኣግባብን ብጥቡቕ ቁፅፅርን ዝፍፀም እዩ-ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 26/2016 (ኢዜኣ) ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ሃገራዊ ዕቤት ብዘቕፅል ኣግባብን ብጥቡቕ ቁፅፅርን ተግባራዊ ከምዝግበር ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፤ ኣብ ከይዲ ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፍ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምእታው ምድላው እናተገበረ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።

እቲ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተመን ሸርፊ ወፃኢ፣ፖሊሲ ፋይናንስ ገንዘብ፣ፊስካል ፖሊሲ ኣታውን ወፃእን መንግስቲ ብምምሕያሽን ዕዳ ብምቕናስን እቲ ማዕቐፍ ፖሊሲ ገንዘብ ብዕዳጋ ንክምራሕ ዝገብር እዩ ኢሎም።

ሰንሰለታት ንግዲ ባንኪ፣ጅምላን ችርቻሮን ንናይ ደገ ተወዳደርቲ ብምኽፋት ብዝተዋደደን ዝተናበበን ማዕቐፍ ዕቤት ዘቐፅል ኩነታት ማክሮ ኢኮኖሚ ንክህሉ ከምዘኽእል እውን ተዛሪቦም።

እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብደገፍ ትካል ገንዘብ ዓለምን ባንኪ ዓለምን ከምኡ እውን ዓለም ለኸ መሓዙት ተግባራዊ ዝግበር ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም።

ስለዝኾነ እውን እቲ ትግበራ ፖሊሲን ድርድርን ተረባሕነት ኢትዮጵያ ብምቕዳም ዝተፈፀመን እቲ ዝተረኸበ ደገፍ ቁጠባ ገንዘብ 4 ነጥቢ 9 ቢልዮን ዶላር ሸኽሚ ዕዳ ንምቅላል ልዑል ረብሓ ከምዘለዎን ሓቢሮም።

እቲ ደገፍ ገንዘብ ሸኽሚ ዕዳ ሃገር ብምቅላል ንድጎማ ታሕተዎት ተኸፈልቲ ሰራሕተኛታት፣ተጠቀምቲ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማን ገጠርን፣መዳበርያ፣ነዳዲ፣ዘይትን ንስሩዓት ስራሕቲ ልምዓትን ከምዝውዕል ኣረዲኦም።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ብዝምራሕ ጉጅለ ማክሮ ኢኮኖሚ ስራሕ ቅድመ ምድላው ንተኸፈልቲ ትሑት ደሞዝን ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ ዜጋታትን ዝውዕል ድጎማ ከምዝተዛዘመ ገሊፆም።

ስለዝኾነ እውን ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ሃገራዊ ዕቤት ብዘቕፅል ኣግባብን ብጥቡቕ ቁፅፅርን ተግባራዊ ከምዝግበር ኣብራህሪሆም።

ማሕበረሰብ ንግዲ፣ሓረስቶትን ኣርባሕትን፣ኣኽበርቲ ሕጊ ከምኡ እውን ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ንውፅኢታውነት ተግባራዊነት እቲ ፖሊሲ እጃሙ ንክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም