ኣዲስ ኣበባን ቻይናዊት ከተማ ር ጃውን ሕውነታዊ ርክብ ንምምስራት ዘኽእለን ስምምዕነት ከቲመን


 

አዲስ አበባ/ሓምለ/26/2016/ኢዜአ/ ነቲ ስምምዕነት ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትሪን ጃንጥራር ኣባይን ምክትል ከንቲባ ከተማ ጃው ዣንግ ዲኣንሁን ፈሪሞም።

ልኡኻን ከተማ ጃው ምስቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዘሳለጥዎ ዘተ ጃው ዘለዋ ዘላቒ ሓለዋ ከባቢ፣ ዕዉትነት ትልሚ ከተማን ዕብየት ኢኮኖሚን ምልዕዓል ዝፈጥር ምዃኑ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ገሊፆም

ከተማ ጃው ንሓምለዋይ ልምዓትን ኢኖቬሽንን ዘለዋ ቖራፅነት ኣዲስ ኣበባ ምስ ዘለዋ ራእይ ምትእስሳር ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ዓውድታት ዘላቒ ልምዓት፣ ሳይንስን ቴክኖሎጅን፣ ባህሊ፣ ንግዲ፣ ትምህርትን ጥዕናን ብምትሕብባር ንምስራሕን ሓባራዊ ልምዓት ንምርግጋፅን ከምዝሕግዝ ምግላፆም መረዳእታ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ የረድእ።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም