መበል 4ይ ቅድመ ጉባኤ ዓለም ለኸ ፋይናንስ ንልምዓት ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኣኼባታት ብብቕዓት ናይ ምስንዳእ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘርኣየ እዩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /26/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 4 ቅድመ ጉባኤ ዓለም ለኸ ፋይናንስ ንልምዓት ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኣኼባታት ብብቕዓት ናይ ምስንዳእ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘርኣየ ምዃኑ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ነብዩ ተድላ ኣብ እዋናዊ ዲፕሎማስን ርክብ ወፃእን ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሰሙናዊ መግለፂ፤ ቅድመ ጉባኤ ዓለም ለኸ ፋይናንስ ንልምዓት ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ዘድሊ ቀረብ ፋይናንስ ንምትእልላሽ ዘተ ዝተገበረሉ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ሚኒስትራት ሓዊሱ ልዕሊ 1 ሽሕ ተሳተፍቲ ዝተረኸብሉ እንትኸውን እቲ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ጉባኤታት ምስንዳእ ከምትኽእል ዘርኣየ ምዃኑ ገሊፆም።

ጎና ጎኒ እቲ ኮንፈረንስ 12 ጎናዊ ዘተታት ከምዝተገበሩ ብምሕባር፤ ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ሰላም፣ፀጥታን ልምዓትን እንታይ ከምዝመስል ዘረዳእናሉ መድረኽ እዩ እውን ኢሎም።

ብተወሳኺ እውን 24 ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ብሄራዊ ረብሓ ሃገሮም ንምሕላው ኣብ ቅድሚት ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ቃል ከምዝኣተዉ ኣረዲኦም።

እቶም ሓደሽቲ ተሸወምቲ ኣምባሳደራት ዘማዕበልዎ ልምዲ ተጠቒሞም ብትግሃት ንክሰርሑ ሓላፍነት ከምዝተውሃቦም ሓቢሮም።

ብሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቱርክ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ፅባሕ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣትዉ እውን ተዛሪቦም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም