ጉድኣት ከብፅሑ ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ብትኹረት ብምስራሕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ ልዕሊ ሃገር ልዑል ጉድኣት ከብፅሑ ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ብትኹረት ስለዝተሰርሐ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብቲ በጀት ዓመት ገበን ተንከፍ ጉዳያት መሰረት ብምግባር ኣብ ዘካየዶ ዝርዝር ተፍትሽን ምፅራይን 310 ምስ ዝተፈላለዩ ገበናት ርክብ ኣብ ዘለዎም ገበን ተንከፍ ጉዳያት ዝርዝር ትንተና ብምግባር ተሓታትነት ሕጊ ንኸረጋገፅ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ተመሓላሊፉ ኣብ ከይዲ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ እዞም ጉዳያት ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ፣ ገበን ምጭብርባር፣ ምስ ገበን ታክስ፣ ኮንትሮባንድ ግዕዝይና፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ምግዳድን ምፍርራሕን፣ ሃፍቲ ምሕባእ፣ ግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምሕጋዝን ምስ ካልኦት ገበናትን ርክብ ዘለዎም ከምዝኾኑ ተመልኪቱ።

እዞም ተግባራት ገበን ብቢሊየን ብር ዝቑፀር ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ሃገር ጉድኣት ከብፅሑ ዝነበሩን ዘብፅሑን ከምዝኾኑ ከም ዝፈለየን ኣብቲ ተግባር ገበን ድማ ብዝተፈላለየ ብርኪ ተሳትፎ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 2 ሺሕን 273 ውልቀ ሰባትን ካልኦት ኣካላትን ተፈልዮም ብሕጊ ተሓተትቲ ንምግባር ኣብ ከይዲ ከምዝርከብን እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፅእኦ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም