አብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝተማለአ መሰረተ-ልምዓት ከምዝተሃነፀ ኣረጋጊፅና -  ሰብ ሃፍቲ ቻይናውያን



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝተዓዘብናዮም መሰረተ ልምዓታት ንፀጋታት ኢንቨስትመንት መሰረት ኢዮም ክብሉ ኣባላት ላዕለዋይ ልኡኽ መንገስትን ቢዝነስን ቻይና ገሊፆም፡፡

ካብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ቻይና ዝመፅኡ ልዕሊ 90 ኣባላት እቲ ልኡኽ ምንቅስቓስ ስራሕን ሓፈሻዊ ከይዲ ምፍራይን ኢንዱስትሪ ፓርክ ቦሌ ለሚ ተመልኪቶም።

ኣብቲ እዋን ድማ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ቦሌ ለሚ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንትን ቀረባት መሰረተ-ልምዓትን ንኢንቨስትመንት ምቹውን ጡጡሕን መሰረት ከምዝኾኑን ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ናብ እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ብምእታው ንምስራሕ  ቅድመ ኩነት ኢንቨስትመንት ከመዝውግኑ እውን ገሊፆም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም