ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ተዛቲዮም


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ቶም ፔሪሎ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘተኦም÷ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዞባዊ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያትን ብፍላይ ድማ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሱዳን ትኹረት ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (/) ኣብ ሱዳን ዘላቐ ሰላም ንምዕሳል እናገበሩዎ ዝርከቡ ፃዕሪ ነቶም ፍሉይ ልኡኽ ምግላፆም ካብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ እዋን ኣብ ሱዳን ሰላምን ፀጥታን ብዘላቐነት ንምዕሳል ብሓባር ንምስራሕ ክልቲኦም ወገናት ተስማዕሚዖም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም