ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ጉያ ሜዳሊያ ብሩር ተዓዊቱ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ፓሪስ ኦሊምፒክ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ብውድድር ጉያ 10 ሺሕ ሜትሮ ንሃገሩ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ።

ኣብ መበል 33 ኦሊምፒክ ፓሪስ ውድድር ፍፃመ ጉያ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ትማሊ ምሸት ሰዓት 4:20 ተኻይዱ።

ኣብቲ ውድድር፥ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ 10 ሺሕ ሜትሮ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ።

ክብረ ወሰን ኦሎምፒክ ኣብ ዝተሰበረሉ እቲ ውድድር ዩጋንዳዊ ጆሹዋ ቼፕቴጌ ብቀነኒሳ በቀለ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ብምስባር ተዓዋቲ ማዳሊያ ወርቂ ክኸውን ክኢሉ።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም