ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ መፃረዪ ውድድር ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይ፣ እጅጋየሁ ታዬን መዲና ኢሳን ንፍፃመ ሓሊፈን - ኢዜአ ትግርኛ
ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ መፃረዪ ውድድር ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይ፣ እጅጋየሁ ታዬን መዲና ኢሳን ንፍፃመ ሓሊፈን
![](/documents/42166/0/%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8D%8D+%287%29.jpg/258fed54-acf1-d2a7-f6b6-009acd61334b?version=1.0&t=1722665786613&download=true)
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ መፃረዪ ውድድር ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይ፣ እጅጋየሁ ታዬን መዲና ኢሳን ንፍፃመ ሓሊፈን።
ትማሊምሸት ካብ ሰዓት 1፡10 ጀሚሩ መፃረይ ውድድር 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ተኻይዱ፡፡
ብመሰረት እዚ ኣብ ምድብ ሓደ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ 14፡57፡84፣ ኣትሌት እጅጋየሁ ታዬ 14፡57፡97 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ንፍፃመ ምሕላፈን ኣረጋጊፀን፡፡
ኣብ ምድብ ክልተ ኣትሌት መዲና ኢሳ 15፡00፡82 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ንፍፃመ ሓሊፋ።