ኣቦ ዝሰትዮ ኣልኮላዊ መስተ ብኸመይ'ዩ ኣብ ዝውለድ ቈልዓ ሳዕቤን ዝህልዎ?

 አበባ/ሓምለ/27/2016/ኢዜአ/ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ዝውለዱ ቈልዑ ምስ ዝህልዎ ጽልዋ ብዝተሓሓዝ፡ እቲ ኣቦ ዝወስዶ ዘይኰነስ እታ ኣደ ትሰትዮ መስተ እዩ ትዅረት ጸኒሑ። እዚ ግን በዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ክቕየር ከምዝኽእል ይግመት።

ተመራመርቲ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ እዋን ጥንሲ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ዘስዕቦ ሓደጋታት ከጠንቅቝ ጸኒሖም እዮም።

 ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ሓንቲ ኣደ ኣብ ሰሙን ብውሑድ ሓደ ግዜ መስተ እንተወሲዳ ንዕብየት ሓንጐል፣ ንኣእምሮኣዊ ስርሓትን ባህርያትን ከምኡውን ቅርጺ ገጽ ናይ ሓደ ህጻን ክጸልዎ ተኽእሎ ኣለዎ።

ወፍርታት ህዝባዊ ጥዕና እውን ኣብ እዋን ጥንሲ እታ ኣደ ክትወስዶ እትኽእል ውሑስ መጠን ኣልኮላዊ መስተ ዝበሃል ከምዘየለ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖምዮም።

ቅድሚ ወሊድ ንኣልኮላዊ መስተ ምቅላዕ ዝተፈላለየ ጸገማት ከስዕብ ከም ዝኽእል ንጹር ዝዀነ ሳይንሳዊ ምርድዳእ ኣሎ።

 ምጕዳል ምዕባለ ኒውሮ ከምኡውን ፍሉይ ቅርጺ ገጽ እቲ ዝውለድ ቈልዓ ብብዝሒ ምስ ጸገማት ምውሳድ ኣልኮላዊ መስተ ዝተኣሳሰሩ ኰይኖም፡ ከም ምድንጓይ ዘረባ ዝኣመሰሉ ናይ ባህሪ፡ ኣእምሮኣውን ትምህርትን ጸገማትውን ኣብዚ ይጠቓለሉ።

ሓደጋታት ናይቲ ኣደ እትወስዶ ኣልኮላዊ መስተ ብዝያዳ ዝተሰነደ እንተዀነ፡ ካልእ ነቶም ምስ ምስታይ ብዝተሓሓዝ ዝመጽኡ ሳዕቤናት ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ጉዳይ ግን ዕሽሽ ተባሂሉ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ኣቦ ክንደይ ዝኣክል ይሰቲ ዝብል እዩ።

ኣብ ፍርያምነትን ወሊድን ዝግበር መጽናዕቲ "ኣዝዩ ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ዘተኮረን ኣብ ኣደታት ማእከል ዝገበረን ስለዝነበረ ብወገን ደቂ ተባዕትዮ ግቡእ መጽናዕቲ ኣይገበርናን" ይብል ማይክል ጎልዲን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ኤንድ ኤም ተመራማሪ እቲ ዓውዲ።

ብርግጽ ከም በዓል ጎልዲን ዝኣመሰሉ ተመራመርቲ ንነዊሕ እዋን ኣቦኣዊ ተራ ከምዘለዎ ይጥርጥሩ ነይሮም።

"ንዓመታት 'ኣብ እዋን ጥንሲ ሰትየ ኣይፈልጥን፤ ግን ከኣ ጽልዋፌታል ኣልኮል ሲንድሮምዘለዎ ውላድ ኣለኒ። መጻምድተይ ድማ ኣዝዩ ልዑል ኣልኮላዊ መስተ ዝወስድ እዩ ነይሩ' ናይ ዝብላ ኣደታት ዛንታታት ክንሰምዕ ጸኒሕና" ይብል። ከምዚ ዝኣመሰለ ዛንታታት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ክንጸግ ጸኒሑ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ግን ነቲ ዝጸንሐ እምነትን ኣተሓሳስባን ክቕይር ተኽእሎ ዘለዎ ኰይኑ፤ እተን ኣደታት ዝብላኦ ዝነበራ ሓቂ ምንባሩ ዘረጋግጽዩ።

ሓደ ኣቦ ቅድሚ ጥንሲ ኣብ ዘሎ እዋን ኣልኮላዊ መስተ ምውሳዱ ኣብቲ ዘርኢ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ዘይጭቡጥ ክመስል ይኽእል።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ስነህዝቢ ግን ኣቦታቶም ዝሰትዩ ዕሸላት ንዝተፈላለየ ድኹም ውጽኢት ጥዕና ናይ ምቅላዕ ዝለዓለ ሓደጋ ከምዘለዎም ኣረጋጊጹሎ።

ንኣብነት ኣብ 2021 ኣብ ቻይና ኣብ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን መጻምድቲ ዝተገብረ ትዕዝብታዊ መጽናዕቲ፡ እቲ ኣቦ ቅድሚ ጥንሲ ኣብ ዘሎ እዋን ዝሰቲ እንተነይሩ ዋላውን እታ ኣደ ኣይትስተ፡ እቲ ዝውለድ ቈልዓ ከም ምስንጣቕ ከንፈርን ትንሓግን፣ ሕማም ልብን ምዝንባዕ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢን ንዝበሉ ጸገማት ጥዕና ናይ ምቅላዕ ሓደጋኡ ዝለዓለ እዩ።

ካልእ ኣብ ቻይና ዝተገብረ መጽናዕቲ ህዝቢ፡ ጸገም ጥዕና ልቢ ዘለዎም 5000 ህጻናት ምስቶም ዝዀነ ጸገም ልቢ ዘይብሎም ካልኦት 5000 ህጻናት ኣነጻጺሩ።

ኣቦኦም ሰታያት ዝዀኑ ህጻናት ንጸገም ልቢ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኦም ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዓቢ ኣረጋጊጹ። እዚ ድማ ኣብተን ቅድሚ ጥንሲ ዝነበራ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 50 ሚሊሊትር ኣልኮላዊ መስተ ምስ ምውሳድ ይተሓሓዝ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ፡ ኣብ ሓምለ 2024 ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣቦታት ቅድሚ ጥንሲ ኣብ ዘሎ እዋን ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ እንተጸኒሖም ኣብ ዕብየት ድቂ ጽልዋ ከምዘለዎ የመልክት።

ጎልዲንን ካልኦት ተመራመርትን፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ኣልኮላዊ መስተ ምውሳድ ዝህልዎ ጽልዋ ብዝበለጸ ንምርዳእ ኣብ ኣናጹ ፈተነታት ኣካይዶም ነይሮም።

ዘካየድዎ ፈተነ ድማ ኣብ እዋን ጥንሲ ኣልኮላዊ መስተ ዝሃብዋ ኣንጭዋ ኣብ ዘርአ ገለ ካብቲ ትጽቢት ክግበር ዝኽእል ስነ-ኣካላዊ ምልክታትፌታል ኣልኮል ሲንድሮምኣርእዮም።

ኣብ ከም ቅርጺ ገጽን ሓፈሻዊ ዕብየትን እቲ ቈልዓ ዝመጽእ ለውጢ ዝገደደ ዝኸውን ግን ክልቲኦም ወለዲ ምስ ሰትዩ ከምዝዀነ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ሓምለ 2024 ጎልዲን ዝመርሓ ጕጅለ፡ ኣቦታት ኣልኮላዊ መስተ ምውሳዶም ኣብ ዘርኢ ኣናጹ ዘለዎ ጽልዋ ዘረድኡ ክልተ ተወሰኽቲ መጽናዕትታት ኣሕቲሙ ነይሩ።

እቶም ክልቲኦም ወለዶም ንኣልኮላዊ መስተ ዝተቓልዑ ኣናጹ ኣብ ሓንጎልን ጸላም ከብድን ዘለዉ ዋህዮታት ቆልጢፎም ናይ ምእራግ ምልክት ከምዘርኣዩ እቲ ሓደ ውጽኢት መጽናዕቲ የመልክት።

ጎልዲን ኣብ ኣእዋም መርትዖ ረኺቡ ኣሎ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኣቦታት ምጥቃም ካልእ ንዕብየት ጽግያት ዝጸሉ ኣብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል።

ጕጅለ ጎልዲን፡ ቅርጺ ገጽ ናይ ሓደ ውላድ ኣንጭዋ፡ እቲ ኣቦ ንዝሰተዮ መጠን ኣልኮላዊ መሰረት ብምግባር ከም ዝቕየር ክፈልጥ ክኢሉ ኣሎ።

ካልኦት መጽናዕትታትውን ዘርኢ ናይቶም ንኣልኮል ዝተቓልዑ ተባዕትዮ ኣናጹ ምስቶም ኣልኮላዊ መስተ ዘይተዋህቦም ክነጻጸሩ እንከለዉ፡ ምድራት ዕብየት ድቂን ጉድለት ምትሕልላፍ መግቢን ከምዘሎ የመልክቱ።

ጎልዲን፡ ኣቦታት ኣልኮላዊ መስተ ምስ ዝወስዱ ኣብ ድቂ ጽልዋ ዘሕድር ዘርኢ ተባዕታይ ክፍጠር ዝገብር ኵነታት ከምዘሎ ዘረድኡ መርትዖታት እውን ኣብ ኣናጹ ረኺቡ ኣሎ። ንሱን መሳርሕቱን ክቱር ሰታይነት ኣብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንዝርከብኣር ኤን ዝበሃል ዓይነት ጀነቲካዊ ንጥረ ነገር ክቕይሮ ከምዝኽእል ክግንዘቡ ክኢሎም።

ብተወሳኺ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ ደቂ ሰባት ይዅን ኣብ ኣናጹ ብፍላይ ኣብ ውርሻዊ ጀነቲካዊ ንጥረ ነገራት ዘለዎ ጽልዋ ዘረድእ እዅል መርትዖታት ኣሎ። ዘርኢ ናይቶም ሽጋራ ዘትክኹ ኣቦታት፡ ዕሸላት ናይ ወሊድ ስንክልና ክህልዎም፤ ንሉኪምያ ክቃልዑን ልዕሊ ዓቐን ስብሒ ሰብነትን ክህልዎምን ናይ ምግባር ተኽእሎኡ ዝለዓለ እዩ።

ዋላ' ደቂ ተባዕትዮ ኣልኮላዊ መስተ ምውሳዶም ዝጻወቶ ተራ እንተሎ፡ መብዛሕትኦም ተመራመርቲ ግን እታ ኣደ ካብቲ ኣቦ ንኣልኮላዊ መስተ ተቓላዒት ምዃና ዘኸትሎ ጽልዋ ከምዝዛይድ ይረዳድኡ።

ሕጂ'ውን እንተዀነ፡ እቲ ኣቦ ዝወስዶ መስተ ክጻወቶ ዝኽእል ተራውን ሸለል ክበሃል ከምዘይብሉ ተመራመርቲ ይዛረቡ።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም