ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ስራሕቲ ሰናይ ተግባር ክረምቲ ንምጅማር ቡታጅራ ኣትዮም


 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ዴሬሽን ፌዴሪኢ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ስራሕቲ ሰናይ ተግባር ክረምቲ ንምጅማር ከተማ ቡታጅራ ኣትዮም።

ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር፤ ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ተፀዋዕቲ ትካላትን ሕድሳት መንበሪ ዓቕሚ ዘይብሎምን ንተምሃሮ ደገፍ ናውቲ ትምህርትን ንምግባር ከምኡ እውን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ንምጅማር እዮም ናብቲ ከተማ ኣምሪሖም ዘለው።

ኣብቲ ከተማ እንትበፅሑ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣይተ እንዳሻው ጣሰው ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንምስታፍ እቶም ኣፈ ጉባኤ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ተፀዋዕቲ ትካላትን ተረኺቦም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም