ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኤጀንሲ ምምሕዳር ፅሬት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም


 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኤጀንሲ ምምሕዳር ፅሬት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ስፍራ ደረቅ ቆሻሻ ረጲ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ፤ ብመዓርግ ሓላፊ ቢሮ ምክትል ዋና መሳለጢ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ቆንጅት ደበላ፣ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ምምሕዳር ፅሬት ከተማ ኣዲስ ኣበባ እሸቱ ለማ(/) ካልኦት ኣመራርሓን ተረኺቦም።

ሰራሕተኛታት ፅሬትን ኣባላት ማሕበራት ሽርክናን እውን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተሳቲፎም።

እቲ መርሃ ግብሪ፤ ̍እትተክል ሃገር፤ ዘፅንዕ ወለዶ̍ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ተኻይዱ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኸውን ዝተፈላለዩ ትካላትን ክፋላት ማሕበረሰብን ሓምለዋይ ኣሰሮም እናንበሩ እዮም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም