ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

 መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተመን ሸርፊ ወፃኢ፣ፖሊሲ ፋይናንስ ገንዘብ፣ፊስካል ፖሊሲ ኣታውን ወፃእን መንግስቲ ብምምሕያሽን ዕዳ ብምንካይን እቲ ማዕቐፍ ፖሊሲ ገንዘብ ብዕዳጋ ንክምራሕ ዝገብር እዩ

ሰንሰለታት ንግዲ ባንኪ፣ጅምላን ችርቻሮን ንናይ ደገ ተወዳደርቲ ብምኽፋት ብዝተዋደደን ዝተናበበን ማዕቐፍ ዕቤት ዘቐፅል ኩነታት ማክሮ ኢኮኖሚ ንክህሉ ዘኸእል እዩ

ስለዝኾነ እውን እቲ ትግበራ ፖሊሲን ድርድርን ተረባሕነት ኢትዮጵያ ብምቕዳም ዝተፈፀመን እቲ ዝተረኸበ ደገፍ ቁጠባ ገንዘብ 4 ነጥቢ 9 ቢልዮን ዶላር ሸኽሚ ዕዳ ንምቅላል ልዑል ረብሓ አለዎ

እቲ ደገፍ ገንዘብ ሸኽሚ ዕዳ ሃገር ብምቅላል ንድጎማ ታሕተዎት ተኸፈልቲ ሰራሕተኛታት፣ተጠቀምቲ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማን ገጠርን፣መዳበርያ፣ነዳዲ፣ዘይትን ንስሩዓት ስራሕቲ ልምዓትን ዝውዕል እዩ

 

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም