ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም


 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኸውን፤ ̍እትተክል ሃገር፤ ዘፅንዕ ወለዶ̍ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ እናተሳለጠ ዝርከብ።

ኣብዚ መርሃ ግብሪ ዝተፈላለዩ ትካላትን ክፋላት ማሕበረሰብን ኣሰሮም እናንበሩ እንትኾኑ፤ ሎሚ መዓልቲ እውን ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ፈልሲ ብምትካል ኣሰሮም ኣንቢሮም።

እቲ ባንኪ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 50 ሽሕ ፈልስታት ንምትካል ተሊሙ እናሰርሐ እንትኸውን ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ 23 ዲስትሪክትታት እውን ተኸላ ፈልሲ ከምዘካይድ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም