ኢዜኣ ትኽክለኛ ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ካብ ምዝርጋሕ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን እጃሙ እናተዋፅአ እዩ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 27/2016 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ትኽክለኛ ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ካብ ምዝርጋሕ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን እጃሙ እናተዋፅአ ምዃኑ ምክትል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ነጋሲ ኣምባዬ ገሊፆም።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2016 / ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ኣብ ከተማ ሃይቅ ብዕሊ ከምዘጀመሩ ዝዝከር እዩ።

ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ኢዜኣ እውን ኣብ ፓርክ እንጠጦ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ኣይተ ነጋሲ ኣምባዬ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ትካል ንተኸታተልቲ ዓመታት ፈልስታት ብምትካል ናይ ባዕሉ ኣሰር እናንበረ መፂኡ እዩ።

ፈልስታት ካብ ምትካል ሓሊፉ እውን ብኣግባቡ ንክፀድቁ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ትካል መጠን ፅድቀት ፈልስታት ክብ ንምባል ፕሮግራም ኣውፂኡ ስራሕቲ ምክንኻን ከምዘሳልጥ ተዛሪቦም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተሳተፉ ኣመራርሓን ሰብ ሞያታትን እቲ ትካል ብግደኦም፤ እቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ንክፀድቁ ስራሕቲ ምክንኻን ንምስላጥ ድሉዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኸውን፤ ̍እትተክል ሃገር፤ ዘፅንዕ ወለዶ̍ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ እናተሳለጠ ዝርከብ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም