ዩኒቨርሲቲ ባህር ዳር ልዕሊ8 ሽሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ


 

ባህር ዳር/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ባህር ዳር ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ዘምሃሮም ልዕሊ8 ሽሕ ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ የመርቕ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ኣባል ቦር ኣመራርሓ ስራሕ እቲ ዩኒቨርሲቲ ወይዘሮ ኣስቴር ዘውዴ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ዩኒቨርሲትን ቤተሰባት እቶም ተመረቕትን ተረኺቦም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ዘምሃሮም 8 ሽሕን 524 ተምሃሮ እናምረቐ እንትኸውን፤ ካብቶም ተመረቕቲ ብቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ 3 ሽሕን 708፣ብሳልሳይ ዲግሪ 82፣ብስፔሻሊትን ሰብስፔሻሊትን ድማ 62 ዶክተራት ሕክምና ይርከብዎም።

ብተወሳኺ እውን ብመርሃ ግብርታት ማሪታይም፣ኣመራርሓነትን ካልኦትን ዝሰልጠኑ ተምሃሮ ከምዝርከብዎመ ተገሊፁ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ትምህርቲ ልዕሊ 28 ሽሕ ተምሃሮ እናምሃረ ከምዝርከብ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም