መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝኣተወ እኹል ምድላው ብምግባር ኢዩ - ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝኣተወ እኹል ምድላው ብምግባር ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (/) ገሊፀን።

ዕላምኡ ድማ ቀፃልነት ዘለዎ ምዕባለ ንምምዝጋብን ኩለ መዳይ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅን ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ዝሃብኡ መብርሂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጭቡጥ ኩነታት ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ዝሓሰበቶ ምዕባለ ንምዕዋት ዘየኽእል ብምዃኑ ናይ ለውጢ መንግስቲ ነዚ ንምቕያር ፈለማ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ተግባራዊ ከምዝገበረ ኣፍሊጠን።

ኣብቲ እዋን ኣታዊ ውሽጢ ዓዲን ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ፋይናንስን ውሑድ ምዃኑ፣ ትሑት ዓቕሚ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት፣ መሓንቓት ፖሊሲ ሓዊሱ መሓዉራዊ ፀገማት፣ ዓውዲ ውልቀ መራሒ ኢኮኖሚ ዘይምዃን ዝብሉን ወዘተን ናይቲ ኢኮኖሚ ቀንዲ መግለፂታት ከምዝነበሩ ተዛሪበን።

ነዚ ፀገም ንምቅላል ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ብምቕራፅ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣዘኻኺረን።

በዘ ድማ ብተግባር ዝረኣዩ ገዘፍቲ እወንታዊ ውፅኢታት ከምዝተረጋገፁ ገሊፀን።

እቶም ኣብ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ዓወታት ንምቕፃልን ፀገማት ንምፍታሕን ዓሊሙ መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ከምዝኣተወ ተዛሪበን።

እቲ ውሳነ እዋናዊን ኢትዮጵያ ንዝተለመቶ ምዕባለን ምቹእ ምዕባለ ዘምፅእ  ከምዝኾነ ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም