አብ ክልል ትግራይ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶክተር ተወለደ ለገሰ ልዕሊ 500 ተምሃሮ ኣመሪቑ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ አብክልል ትግራይ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶክተር ተወለደ ለገሰ 339 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 529 ተምሃሮ ብብርኪ ኣርባዕተ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ዲን እቲ ኮሌጅ መምህር ኪዳነ /ሚካኤል፥ እቲ ኮሌጅ ዘመረቖም ተምሃሮ ብሸውዓተ ዓይነታት ሞያ ጥዕና ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ተመረቕቲ ብኲናትን ዝተፈላለዩ ሕማማትን ዝተሃሰየ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕዋይ ግቡኡኸም ንኸትፍፅሙ ሕድሪ ይብለኩም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም