አብ ክልል ትግራይ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶክተር ተወለደ ለገሰ ልዕሊ 500 ተምሃሮ ኣመሪቑ - ኢዜአ ትግርኛ
አብ ክልል ትግራይ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶክተር ተወለደ ለገሰ ልዕሊ 500 ተምሃሮ ኣመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 ዓ ም/ኢዜአ/ አብክልል ትግራይ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶክተር ተወለደ ለገሰ 339 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 529 ተምሃሮ ብብርኪ ኣርባዕተ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።
ዲን እቲ ኮሌጅ መምህር ኪዳነ ገ/ሚካኤል፥ እቲ ኮሌጅ ዘመረቖም ተምሃሮ ብሸውዓተ ዓይነታት ሞያ ጥዕና ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ተመረቕቲ ብኲናትን ዝተፈላለዩ ሕማማትን ዝተሃሰየ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕዋይ ግቡኡኸም ንኸትፍፅሙ ሕድሪ ይብለኩም ኢሎም።