ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግሃስ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ደገፍ ገይሩ


 

ሳውላ/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግሃስ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ዝኸውን 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሩ።

ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ፈትሂ መሀዲ(/) እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጠመ ጀሚሩ በቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰምዖ ሓዘን እናገለፀ ከምዝፀንሐ ገሊፀን።

ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት እውን 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ከምዝገበረ ኣፍሊጠን።

 ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግስቲ ስለሺ ኮሬ(/ /) ብግደኦም፤ እቲ ቤት ምኽሪ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወጋናት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረዲኦም።

እቲ ደገፍ ዝተረከቡ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጎፋ ኢንጅነር ዳግማዊ ኣየለ፤ እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጠመሉ እዋን ጀሚሩ እቲ ቤት ምኽሪ ሓዘኑ እናገለፀ ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር ነቲ ዝተገበረ ደገፍ እውን ብሽም እቶም ተጎዳእቲ ኣመስጊኖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም