ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም



 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 27/2016 (ኢዜኣ) ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው፤ እቲ መንገዲ ኣየር ሓለዋ ከባቢ ከም ሓደ ማሕበራዊ ሓላፍነት ወሲዱ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።

ካብ ተኸላ ፈልሲ ብተወሳኺ ነቲ ከባቢ ምችውን ተስማዕማዕን ዝኾኑ ቴክኖሎጂታት ኣቬሽን ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ እናገበረ እዩ ኢሎም።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር 2016 / ሃገር ቦቆል ዝኾኑ 50 ሽሕ ፈልስታት ንምትካል ትልሚ ከምዝሓዘን ክሳብ ሕዚ 27 ሽሕ ፈልስታት ከምዝተተኸሉን ኣፍሊጦም።

ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብግደኦም፤ እቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ብምክንኻን ሓላፍነቶም ከምዝዋፅኡን ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝገብርዎ ተሳትፎ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉን ምዝራቦም ካብቲ መንገዲ ኣየር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም