ኣታዊ ምዕባይ ቀንዲ ጉዳይ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስለዝኾነ እቲ ኢኮኖሚ ብዘፈልፍሎ መጠን ኣታዊ ምእካብ ይግባእ-ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ኣታዊ ውሽጢ ዓዲ ምዕባይ ቀንዲ ጉዳይ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስለዝኾነ እቲ ኢኮኖሚ ብዘፈልፍሎ መጠን ኣታዊ ምእካብ ከምዝግባእ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

ሚኒስቴር እቶት ምስ ላዕለዎት ከፈልቲ ግብሪ ይዝቲ ኣሎ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ዝኸውን መፍረያይነትን ዓቕሚ ኣታውን ምዕባይ እንትከኣል እዩ።

ስለዝኾነ እውን ኣታዊ ዘበናዊ ብዝኾነ ስርዓት ኣሰራርሓ ብኣግባቡ ምእካብ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ኣታዊ ውሽጢ ዓዲ ብኣንፃር እቲ ዝፈረየ ሓፈሻዊ ዕቤት ፍርያት ውሽጢ ዓዲ(ጂዲፒ) ዝህልዎ ብፅሒት ምዕባይ ቀንዲ ጉዳይ እቲ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ንክውሰን ምግባሩ ዘበናዊ ምጣነ ሃፍትን ስርዓት ንግድን ንክህሉ ከምዝሕግዝ ፀሪሖም።

ዝተማልአ ሪፎርም ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ንምግባር እቲ ኢኮኖሚ ብዘፈልፍሎ ልክዕ ኣታዊ ምእካብ ይግባእ እውን ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም