ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ፍርያታት ዋጋ ኣብ ዝውስኹ ትካላት ጥንኩር ቁፅፅር ክግበር ኢዩ - ከንቲባ ኣዳነች


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/28/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ፍርያታት ግቡእ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩን ፍርያት ኣብ ልዕሊ ዝሓብኡን ኣካላት ጥንኩር ቁፅፅርን ስራሕቲ ምኽባር ሕጊን ከምዝውገን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ኣብላት ማሕበረሰብ ንግዲን ኣመራርሓ እቲ ምምሕዳር ከተማን ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ እዮብ ተካልኝ (/) ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ መመሓየሺ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ብምድሃብ ተዛቲየን፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዙሓት ረብሓታት ዘምፅእ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ብቐንዱ ድማ ዘላቒ ልምዓትን ኣሳታፋይነት ንምርግጋፅ፣ ንኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ማዕረ ተጠቃሚ ዝገብር ስርዓት ንምህናፅ፣ ፅዕንቶ ዕዳ መንግስቲ ብምንካይን ዝተረጋገአን ተወዳዳሪን ዝቕባበ ብምንካይ ዘኽእል ኩነታት ዕዳጋ ንምፍጣር ከምዝሕግዝ ፀሪሐን፡፡

እዋናዊ ማሕለኻታት ንምቁፅፃር ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ክፋላት ማሕበረሰብ ከይጉዳእ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ምውሳኽ፣ ትሑት ኣታዊ ዘለዎ ክፋል ማሕበረሰብ ምድጓም፣ ብፍላይ ብሴፍቲኔት ዝተሓቖፉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣታዊ ብዘምፅእልን ተሓጋዘይነት ብዝንኪን መገዲ ምድጋፍ ከምኡ እውን ዕድል ስራሕ ብስፍሓት ምፍጣር ኣብ ግምት ብዘእቱ መልክዑ ዝትግበር ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ምስ ኣፍረይቲን ኣምፃእቲን ብቕርበት በምስራሕ ከምኡ እውን ዕዳጋ ዘዛብዑ ብፍላይ ምስ ሸርፊ ወፃኢ ርክብ ኣብ ዘይብሎም ፍርያታት ግቡእ ዘይኮነ ዋጋ ኣብ ዝውስኹን ፍርያት ዝሓብኡን ኣካላት ጥንኩር ቁፅፅርን ስራሕቲ ምኽባር ሕጊን ከምዝስራሕ እውን ኣፍሊጠን፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም