ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ልዕሊ 14 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ክከፋፈል ኢዩ - ሚኒስቴሩ ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/28/ 2016 /ኢዜአ/ ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ልዕሊ 14 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ከምዝከፋፈል ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (/) ኣፍሊጦም።

ኣብ ጣቢያ ጉምሩክ ኣዳማ ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ሸቐጣት ፅዒነን ጠጠተው ዝበላ ልዕሊ 700 ተሽከርከርቲ ስነ-ስርዓት ሕጊ ጉምሩክ ከምዝዛዘማ እቶም ሚኒስትር ኣብ ገፅ ማሕበራዊ ሚዲያኦም ገሊፆም፡፡

እቲ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝቐርበሉ ኩነታት ብምዝታይ ኣንፈት መፍትሒ ከምዝተቐመጠ እውን ሓቢሮም፡፡

በዚ መሰረት ኩነታት ዕዳጋ ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ብናይ መንግስቲ ወፃኢ ዝተዓደገ ልዕሊ 14 ሚልየን ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ መላእ ሃገር ከምዝከፋፈል ኣብሪሆም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም