ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ እትሳተፈሉ ውድድር ፍፃመ 5 ሽሕ ሜትሮ ሎሚ አማስዩ ክካየድ ኢዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ እትሳተፈሉ ውድድር ፍፃመ 5 ሽሕ ሜትሮ ሎሚ አማስዩ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016/ኢዜአ/ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ እትሳተፈሉ ውድድር ፍፃመ 5 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ሎሚ አማስዩ ክካየድ ኢዩ።
ኣብቲ ሰዓት 4፡10 ዝጅምር ውድድር፥ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይ፣ እጅጋየሁ ታዬን መዲና ኢሳን ክሳተፋ ኢየን።
ከምኡውን፥ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4፡47 ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍፃመ 800 ሜትሮ ኣትሌት ፅጌ ዱጉማን ወርቅነሽ መለሰን ልዑል ትፅቢት ዝግበረለን ኢየን።