ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ  ከምዝሃንፅ ገሊፁ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016 /ኢዜአ/ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ  ከምዝሃንፅ ገሊፁ።

ዋና ኣስፈፃሚ ስራሕ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ኣምባሳደር ሱሌይማን ደደፎ፥ ኢትዮጵያ ደቀቕቲ ብሎን እንተይተረፈ ካብ ወፃኢ ዓዲ ከምእተእቲ ተዛሪቦም።

 ኮይኑ እውን እዚካብ ወፃኢዝአቱ ፍርያት  ብዓቕሚ ውሽጢ ዓዲ ንምሽፋን ከምዝተተለመ ገሊፆም።

ስለ ዝኾነ ኣብ 2017 . ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይን ግዙፍን ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ  ኣብ ከተማ ነቀምቴ ከምዝሃንፅ ሓቢሮም።

ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዕደና ሓፂን ከምዘሎ ብምዝኽኻር፥ በዚን ካልኦት ምኽኒያታትን እቲ ፋብሪካ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ንክህነፅ መንግስቲ ወሲኑ ኢዩ ኢሎም።

ሙሉእ እታዎታት እቲ ፋብሪካ ካብ ጣሊያን ተዓዲጉ ናብ ውሽጢ ዓዲ ከምዝኣተወ እውን ገሊፆም።

ነቲ ፋብሪካ ንምህናፅ ካብ 70 ክሳብ 80 ሚሊየን ዩሮ ከምዝሓትት ዝሓበሮ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ሓፂር እዋን  ተሃኒፁ ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ አመልኪቶም  

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም